ኣያ ፀሃየ: ብህይወት ዘለዉ ብሕታዊ ተፃዋቲ መለኸት

ኣያ ፀሃየ መለኸት እነትነፍሑ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ድርኩኺት ምጥፋእ ዝርከብ መለኸት

ንጽላት ጽዮን ማርያም ዓጂቡ ናብ ኣኽሱም ከምዝኣተወ ዝዝረበሉ ያታዊ መሳርሒ ሙዚቃ መለኸት፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለይ በዓላትን ፋንዎን ይጽወት።

ኣብ ኣኽሱም ካብ ወለዶም ዝወረስዎ ሰባት እናተኻኽኡ ይፃወትዎ፡ ኣብ ኤርትራ እውን መለኸት ዝፃወቱ ሓደ ክልተ ሰባት ጥራሕ ምንባሮም ኣብ ፌስቲቫል ኤክስፖ ተዘንትዩ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ከም ሓሙስ ኣያ ፀሃይ ገብረኣምላኽ ኣብ ኣኽሱም ተረኺቦም ኣለዉ።

"ኣደይ ማርያም ካብ እስራኤል ባሕሪ ሰጊራ ናብ ኣኽሱም ክትመፅእ እንከላ ብሰለስተ መለኸት ተዓጂባ እያ መፅያ" ኢሎም ይብሉ ኣያ ፀሃየ።

ንሶም እውን ወዲ 70 ኾይኖም ወላ ምእራጐም ኣይእመኑ ብሕማም ግና ተሰኒፎም፡ ግን ንወዶም ንድያቆን ካሕሳይ ኣሰልጢኖም እታ መለኸት ኣውሪሶምዎ ኣለዉ።

መለኸት ካብ ቀርካሃ ዝበሃል ዓብዪ ሻምብቆ ወይ ከዓ ካብ ዕንፀይቲ ተፀሪቡ ይሰናዳእ። ቁመቱ ክንዲ ፍርቂ ቁመት ሰብ ይኸውን።

ኣብ ጫፍ ገፁ ቅርፂ ጥሩምባ ኣለዎ። ብኣፍካ ነፊሕኻ ሓያል እዝኒ ዘንኩል ድምፂ የስምዕ።

"በሊዕኻ እምበር ኣብ ጥምየት ኣይካኣልን፤ ምብላዕ እንትብለካ ግና ሕልፊ እንተበሊዕኻ ውግኣት ስለዝሕዘካ ብዙሕ ምትንፋስ ይኸልአካ እዩ" ኢሎም ኣያ ፀሃየ።

ኣፍካ ብፍላይ ከዓ መልሓስካን ከንፈርካን ኣዋዲድካ ብመይላ እዩ ዝንፋሕ።

እርጋንን ሕማምን ተባርዮም ሰንሰን ስለዘበልዎም ምሳይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ቁሩብ ንፍሕ ኣቢሎም ርእሶም ሒዞም ብርክኽ ኢሎም ኮፍ ይብሉ፡ ስለዝደኸሙ ከም ቀደሞም ኣይፃወቱን ዘለዉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብእርጋንን ሕማምን ዝደኸሙ ኣያ ፀሃየ

መለኸት ኣብ ቀብሪ ብፍላይ ድማ ቀብሪ ነገስታት ከምኡ እውን ኣብ ተዝካር ይንፋሕ። ብኻልእ ገፁ ድማ ምስ ከበሮ ተፀሚዱ ጓይላ የድምቕ።

"ወነ ነቓኒቑካ እሞ እንተተራሲንካ የውጭን (የዕብድ) እዩ፤ ከይወድቕ ደኣ እምበር" ኢሎም በይኖም ኣኹዲዶም።

ኣያ ፀሃየ ብመርዓት ዓይኖም ክሳብ ዝተሓዙ ን30 ዓመታት መመላእታ ነፊሖም።

ኣብ ሃይማኖታውን ሃገራዊ በዓላትን ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮምያን ደቡብን ተዓዲሞም ዕላዊ መድረኻት ኣድሚቖምን ኣድናቖት ፈጢሮምን እዮም።

መለኸት ዝፃወታ ደቀንስትዮ የለዋን። እንታይ ጉዱ ኢልናዮም ንኣያ ፀሃየ "ዘልመደን የለን፤ ወዮ ንሳተን እውን ኣልምዱና ኣይበላን" ኢሎም።

ኣምህሩና ዝብሉ መንኣሰይ ኣይ ክንድትይን። ሎሚ ሎሚ ግና ክስልጥኑ ዝደልዩ ሓደ ክልተ መንኣሰይ ይቀላቐሉ ከምዘለዉ ኣያ ፀሃየ ይዛረቡ፡ ኰይኑ ግና እምቢ ጠንጠነለይ ንደቀይ ጥራሕ እየ ዘምህር በሃላይ እዮም።

ወዶም ዲያቆን ካሕሳይ ቅድሚ ሎሚ ወላዲኡ ሕደግ ኣይፋልካን ልመዳ እናበልዎ ሸለል እናበል ናብ ሸቕሊ የድህብ ምንባሩ ይገልፅ።

እንተሎሚ ግና ብፍላይ ሰባት ነታ ክእለት ክምንዝዑ ምስጀመሩ ድያቆን ተበራቢሩ'ሎ።

"ቅድሚ ሎሚ ምሳይ ስራሕ እውን ይብለኒ ነይሩ፤ ቁልዕነትን ሕፍረትን ተሓዊስዎ ግና ኣይሰማዕኹዎን ነይረ።

ሕዚ ግና ደጊም ሸምጊለ እየ ሓዝ ተቐበለኒ ኢሉኒ፤ ኣነ እውን ኰነ ኢለ ተማሂረ ሓድጊ ወላድየይ ኣየጥፍእን ኢለ ሒዘ ኣለኹ" ኢሉ ድያቆን ካሕሳይ ፀሃየ።

ኣብ ኣኽሱም ዝነብሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ድርኩኺት ኣፈርክቡ ዝርከብ መለኸት ዝብልዎ ኣለዎም።

ቀሺ ኣባዲ ወልደሚካኤል "መለኸት ሓድጊ ኣደይ ማርያምን ክብሪ ታቦተ ጽዮን እዩ፤ ክዕቀብ ድማ ኣለዎ" ኢሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ድያቆን ካሕሳይ መለኸት ክፃወት ንወላዲኡ ወሪሱ'ሎ

ኣያ ፀሃየ ካብ ወለደይ ዝወረስኩዎ ኢሎም ብርስቲ ስለዝሓዝዎ ክንለምድ እንተበልና እውን ኣየቕርቡናን ይብሉ ቀሺ ኣባዲ።

ካልእ ነባሪ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ብርሃነ ዓምዱ ንመለኸት ዘለዎም ልዑል ክብሪ ገሊፆም፤ ኰይኑ ግና መንኣሰይ ነቲ ሞያ ንኽወርሱ ዝተገብረ ፃዕሪ ዘይምህላዎ ኣዝዩ የጣዕሶም።

"ንባህልኻ ትኹረት ዘይምሃብ ዝወልዶ ፀገም ንርኢ ኣለና፤ ብፍላይ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ንኣያ ፀሃየ ረኺቡ ንሶም ንብዙሓት መናእሰይ ከምህሩ ዘይምግባሩ ሓደ ክፍተት ኮይኑ ይረኣየኒ።

ሕዚ እውን እዞም ሰብኣይ እዚኦም አዐርዮም እንተይኣረጉ መንኣሰይ ሰልጢኖም እቲ ሞያ ክመሓላለፍ እንተዝግበር ዝብል ርእይቶ ኣለኒ" ኢሎም።

ኣያ ፀሃየ ከምቲ ካብ ወለዶም ዝወረስዎ ንሶም እውን ንደቆምን ደቂ ደቆምን ከውርሱ እዮም ዲሕ ዝብሉ ዘለዉ።

ከምዚ ዝበለ ሃገር በቈል ያታዊ መሳርሒ ሙዚቃ ብሸለል መለል ከይቕህም ገና እንተይመሰየ ኩሉ ግዱስ ወገን ኣብ ኣጋግዘ ክበራበር ኣለዎ።

ኣብ ኢድ ወለዲ ዝፀነሐ ክእለት ናብ ካልኦት ከይሰገረ ምሰኦም ተገኒዙ ናብ መቓብር ቅድሚ ምውራዱ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ብፍላይ ከዓ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ብርኩ ሒዙ በርደግ ይበል።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ሓደ ከም ሓሙስ ተጸዋታይ መለኸት ኣያ ጸሃየ