'ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምዝመዛ ኣፍሪቃውያን ኢድ ኣለዎ' ኣምኒስት

ኣብ መዳጎኒ ከርሸለታት ዝተዳጎኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መዳጎኒ ካርሼሊታት ዝተዳጎኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ፍልሰት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምዕጋት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ "ዓመጽን ምዝመዛን" ብንጥፈት ይድግፎ ከምዘሎ ኣምኒስቲ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ሚሊሻታትን ኣስገርቲ ሰባትን ንዝተሓባበሩ ሰበ-ስልጣን ይወሃብ ኣሎ ድማ ኢሉ።

ሕብረት ኤውሮጳ መራኽብ፣ ገንዘብን ስልጠናን ንናይ ሊብያ ሓለውቲ ወሰናንስን ባሕሪ (ኮስት ጋርድስ) ሂቡ'ዩ።

ሊብያ፡ እታ ቀንዲ መተሓላለፊ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት እያ። ኢጣሊያ እታ ቀንዲ መዓልቦ ስደተኛታት ክትከውን እንከላ፡ ድሕሪ'ቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንናይ ሊብያ ሓለውቲ ወሰን ባሕሪ ዝሃቦ ገንዘባዊ ደገፍ ግን ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣዝዩ ጎዲሉ'ሎ።

እቶም ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ብዝተፈላለየ ገበናት ምስ ዝኽሰሱ ገበነኛታትን ኣስገርቲ ሰባትን ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ እዚ ድማ ኣፍልጦ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዘለዎ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ከሲሱ። እቲ ፍልሰት ስደተኛታት ደው ናይ ምባል ውጥን "ጃምላዊ፣ ምልካውን ዘይውሱንን ማሕዩር" ስደተኛታት ኣስዒቡ ይርከብ ኢሉ እቲ ውድብ።

ብሊብያውያን ሓለውቲ ባሕሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝከታተል ትካል ናይታ ሃገር ዘቖመን መዳጎኒ ማእከላት ይለኣኹ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ኣስታት 20,000 ስደተኛታት ኣብተን ማእከላት ተዳጒኖም ይርከቡ ኢሉ ኣምኒስት። እቶም እሱራት ብሰበ-ስልጣንን፣ ኣስገርቲ ሰባትን ሚሊሻታትን "ንመግረፍቲ፣ ግዱድ ሽቅለት፣ ምምንዛዕ ገንዘብን ዘይሕጋዊ ቅትለትን" ከምዝተቓልዑ ድማ መርትዖ ኣለኒ ይብል እቲ ኣህጉራዊ ትካል።

"ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብብዝሒ ሰባት ዓቕሎም ኣብ ዝጸበቦም መዳጎኒታት ብዘይገደብ ተዳጒኖም ንሸርሓዊ ግህሰት ተቓሊዖም ኣለዉ" ኢሉ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ኤውሮጳ ጆን ዳልሑሴን።

"መንግስታት ኤውሮጳ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ይፈልጡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብምስምስ ስደተኛታት ደው ምባል፡ ንሰበ-ስልጣን ሊብያ ብንጥፈት ብምድጋፍ፡ ኣብቲ ግህሰት ኢድ ኣለዎም" ኢሉ ንሱ።

እቶም እሱራት ንሓደ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት'ዚ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ኣብቶም መዳጎኒ ማእከላት ጎንጺን ግህሰትን ከምዘሎን፡ እቲ ኩነታት ድማ ካብ ማእሰርቲ ዝኸፍእ "ሲኦል" እዩ ክብሉ ገሊጾምሉ።

ሓደ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝገበረ ጋምቢያዊ እሱር ድማ ንዓጸቦ ከምዝተቓልዐን ከምዝተገርፈን ንኣምኒስት ሓቢሩ።

"ገንዘብ ክህቦም ምእንቲ ብናይ ጎማ ቱቦ ገይሮም ገሪፎምኒ። ኣብ እዋን መግረፍቲ ድማ ንቤተ-ሰብካ ደዊሎም የዛርብዎም ገንዘብ ምእንቲ ክሰዱ" ኢሉ ንሱ።

ኣምነስቲ ንሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቤትፍርዲ ንምኽሳስ እኹል መርትዖ ኣለኒ ኢሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉዕዞ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ

እቶም ብኔቶ (ምትእኽኻብ ቃል-ኪዳን ሰሜን ትላንቲክ) ዝተደገፉ ብሓይልታት ኣብ 2011 ንኮለኔል ሙዓመ ቓዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዮም፡ ሊብያ ሕጊ-ኣልቦ ሃገር ኮይና ከምዘላን፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ጉጅለታት ሚሊሻ ድማ ነናይ ባዕሎም ግዝኣት ክተኽሉ ክጓየዩ ይርከቡ። ኣምንስት ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቕ ውድብ፡ መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ መግረፍትን ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ኢልድ ከምዘለወን ከሲሱ።