ኣብ ጨለንቆ ኣስታት 15 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ

እቲ ጎንጺ ዘጋጠመሉ ከባቢ Image copyright Google Maps

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ሜታ፡ ከተማ ጨለንቆ ምክልኻል ሰራዊት ሰባት ከምዝቐተለ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ አይተ አዲሱ አረጋ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገጾም ገሊጾም።

በዚ፡ 15 ሰባት እንትሞቱ ካልኦት 14 ሰባት ቖሲሎም'ዮም ኢሎም።

ቑጽሪ መወትቲ ክዛይድ ከምዝኽእል ነበርቲ እቲ ኸባቢ ንዝተፈላለዩ ማዕኸናት ሓበሬታ ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ወረዳ ሜታ ኣብ ትርከብ ከባቢ ኑቑጣ ሳርካማ ኣሕመዲን ኣሕመድ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ብፍሉይ ሓይሊ ድሕሪ ፖሊስ ምቕታሉ ብዝተላዕለ ተቓዉሞ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ምዃኑ አቶ አዲሱ ጽሒፎም።

እቲ መጥቃዕቲ ዘጻሪ ካብ ጨፌ ኦሮሚያ ዝተጣመረ ኮሚቴ ናብቲ ቦታ ከምዝተልኣኸ'ዮም ዝገልጹ እቶም ወሃቢ ቃል መንግስቲ እቲ ክልል።

"መንግስቲ እቲ ክልል እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይኹንኖ" ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ድረ ገጾም ጽሒፎም።

"እንተዉሓደ 15 ሰባት ተቐቲሎም'ዮም" ክብሉ ነባሪ እታ ከተማ አይተ ሱፊያን ኡስማን ብስልኪ ንቢቢሲ ሓበሬታ ሂቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት