ኣብ ሓደ ሓደ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ጎንጽን ሞትን ኣጋጢሙ

ዩኒቨርስቲ ወለጋ Image copyright FB/WelegaUniversity
ናይ ምስሊ መግለጺ ዩኒቨርስቲ ወለጋ

ትማሊ ሰኑይ 02 ሕዳር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ቐፅሪ ሻምቡ ክልተ ተማሃሮ ተቐቲሎም።

ብዓርቢ 29 ሕዳር 2010 ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደ ተማሃራይ ምሟቱ ምንጭታት ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት መዓልቲ ብሄር፥ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረሉ እዋን ባእሲ ክልተ ተማሃሮ ናብ ጎንጽ ጉጅለ ዓሪጉ፡

በእማን ድሕሪ ምድርባዮም ተመሃራይ 2ይ ዓመት ማኔጅመንት ሀብታሙ ያለው ስንሻው ተጎዲኡ ምማቱን ሬስኡ ናብ ቤተ ሰቡ ከምዝተላእኸን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣይተ የውሃንስ ከበደ ገሊፆም።

ትማሊ ድማ ፥ "ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣሕዋትና ይሃልቁ ኣለዉ" ብምባል ተቓውሞ ከስምዑ ዝወዓሉ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ፡ ንኽልተ ተምሃሮ ናብ ጣሻ ወሲዶም ከምዝቐተሉዎም፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጾም።

እቶም ምንጭታት፡ ትማሊ ምሸት፡ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ተወለድቲ ሓደ ብሄር ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመን ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ፖሊስ ምህላዎምን ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡን ሓቢሮም።

ብዛዕባ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ዝተፈጠረ ኣብ ፌስ ቡኮም ዝለጠፉ ርክብ ህዝብታት ክልል ትግራይን ኦሮምያን አይተ ገ/ሚካኤል መለስን ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋን፡

ትማሊ ለይቲ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቐፅሪ፡ ክልተ ተምሃሮ ምቕታሎም ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ጎንፂ ዝተሳተፉን፡ ነቶም ተምሃሮ ብምቕታል ዝተጠርጠሩን ከኣ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓሉ እቶም ሓለፍቲ ሓቢሮም።

ንሓላፍቲ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ግን ኣይተሳኸዓልናን።

ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስታት ደሴ፥ ወሎ፥ ደብረ ታቦርን ባሀርዳርን ብተመሳሳሊ ጎንፅታትን ተቓውሞ ተምሃሮን ከምዝተወለዐ ምንጭታት ገሊፆም።

Image copyright Adigrat UniV

ሰንበት ምሸት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ረብሻን ጎንፅን ክምዘጓነፈን ሰኑይ እውን ከምዝቐጸለን ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ማህሰይቲ ከምዝወረደን ስሞም ክፅራሕ ዘይደለዩ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር እውን ተምሃሮ፡ ንመንግስቲ'ውን እናወቐሱ ቅሬተኦም ከምዘስምዑ፡ ካብ ተምሃሮ እተን ዩኒቨርሲታት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ተምሃሮ ዩኒቭርሲቲ ኣምቦ እውን ኣብ ዓዲ ግራት ንዘጋጠመ ተጓንፎ ብምቅዋም ኣብ ዋና ግቢ ተምሃሮ ተቓውሞ ከምዘስምዑን ትምህርቲ ከምዝተቛረፀን ዘዘራረብናዮም ተማሃሮ ይገልፁ።

ቅድም ክብል ኣብቲ ዝተላዕለ ጎንጺ ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ተምሃሮ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ናብ ሕክምና ከምዝተወሰዱን ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን ርክብ ህዝቢ ክልል ኣምሓራን ገሊጾም።

ነቲ ኩነታት ሓይልታት ከምዘህድኡዎ ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይቲ ከባቢ ሓይልታት ፀጥታ ብዘካየዱዎ ፃዕርን ጎስጓስን እቲ ኹነታት ሃዲኡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፥ ናብ ገበታ ትምህርቶም ከምዝተመለሱ ኣይተ የውሃንስ ከበደ ወሲኾም ይገልፁ።

ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ብፌደራል ፖሊስ ይሕሎ እኳ እንተሎ ብዙሓት ተምሃሮ ግን ናብ ገዘኦም ክኸዱ ከምዝደለዩ ገሊፆም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት