ጥርጡር ኣሸባሪ ኒው ዮርክ ኣካየድ ኡላህ ንፕረዚደንት ትራምፕ ብፈይስቡክ ኣጥንቂቑ ነይሩ

Image copyright CBS
ናይ ምስሊ መግለጺ ባንግሌዳሻዊ ጥርጡር ፈተነ ግብረ ሽበራ ኣካየድ ኡላህ

እቲ ብሰኑይ 11 ታሕሳስ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ከተማ ኒው ዮርክ ቦምባ ብምፍንጃሩ ብሽበራ ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ውልቀሰብ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

"ትራምፕ ሃገርካ ክትከላኸለላ ኣይከኣልካን"፡ ይብል እቲ መጠንቀቕታ። ናይ ኣካይዳ ኡላህ መልእኽቲ ኣብቲ ብሰሉስ ብፈዴራላዊ ዓቃብ ሕጊ ዝቐረበ ክሲ ኢዩ ተገሊጹ።

እቲ ወዲ 27 ዓመት ባንግላዴሻዊ ዝመበቆሉ ውልቀሰብ ብእስላማዊ መንግስቲ ዝፍለጥ ጉጅለ ተተባቢዑ ነቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣካይድዎ ይብሃል።

በቲ ፈተነ ድማ ንነብሱን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን ኣቑሲሉ።

ኡላህ ኣብቲ ትራፊክ ዝጨናነቐሉ ስዓት ኣብ ማንሃታን መዓርፎ ኣውቶቡስ ብዘካየዶ ናይ ቦምባ ምፍንጃር ፈተነ ኢዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ናይ ከተም ኒው ዮርክ ፖሊስ ትዊት ከምዝሕብሮ፡ ኡላህ ቦምባ ብምውናኑ፡ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ብምክያዱን "ብምፍርራሑን" ኢዩ ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ይብል።

እቲ ብሰሉስ ዝተገለጸ ፌደራላዊ ክሲ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝርከብ ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ንዋታዊ ሓገዝ ምሃብ፡ ኣዕናዊ ኣጻዋር ምጥቃምን ኣብ ህዝባዊ ቦታ ቦምባ ምፍንጃርን የጠቓልል።

መን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ?

ኡላህ ድሕሪ ምትሓዙ "ኣነ [ነቲ መጥቃዕቲ] ንእስላማዊ መንግስቲ ኢየ ፈጺመዮ " ኢሉ፡ ይብል ኣብቲ ብዓቃብ ሕጊ ዝቐረበ ክሲ።

እቲ ሰነድ ከምዝሕብሮ፡ ኡላህ ነቶም መርመርቱ ከምዝሓበሮም፡ ነቲ መጥቃዕቲ በቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዒላማታት እስላማዊ መንግስቲ ዘካየዶ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ተተባቢዑ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ።

እቲ ጥርጡር ወልቀሰብ ከምዝበሎ "ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ቦምባ ከመይ ጌርካ ከምዝስራሕ ከምዘጽንዐን፡ ነዚ ከካይዶ ዝፈተነ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ድማ ንኣዋርሕ ክዳለወሉ ከምዝጸንሐን" ገሊጹ።

ነቲ ቦታ ዝመረጾ ድማ "ቁጽሪ ግዳያት ንምብዛሕ" ከምዝኾነ እቲ ዓቃብ ሕጊ ገሊጹ።

ኡላህ ካብ ባንግላዴሽ ብ2011 ኢዩ ናብ ኣሜሪካ ኣትዩ።

መንግስቲ ባንግላደሽ ከምዝበሎ ኡላህ ዝኾነ ገበን ዘይነበሮ ዜጋ ኢዩ ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ናይ ሰኑይ መጥቃዕትን ቅድሚኡ ድማ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ማንሃታን ዝተፈጸመ ሂወት ሸሞንተ ሰባት ዝቐዘፈ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትን "ህይወት ኣሜሪካውያን ንምክልኻል ብህጹጽ ጽገና ሕግታት ኪግበር ይጠልብ" ኢሉ።

"መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ሰባት ብዘይግቡእ መጽናዕትን መርመራን ናብ ኣሜሪካ ክኣትው ዘፍቅድ ናይ ኢሜግረሽን ሕግታታን ተርእዮ ሸለልትነትን ከተዐሪ ድማ ትራምፕ ጠሊቡ።