ስርዓት ገዳ ስለምንታይ ጎንጺ ዶባት ኦሮሚያን ሶማሌን ኢትዮጵያን ክፈትሖ ዘይከኣለ?

አባ ገዳ ኩራ ጃርሶ
ናይ ምስሊ መግለጺ አባ ገዳ ኩራ ጃርሶ

ስርዓት ገዳ፡ ማሕበራዊ ርክባት ክሰምሩ፡ ጎንጽታት ብምዉጋድ ክሳብ ሕዚ ርኡይ ግደ እናበርከተ መጺኡ'ዩ። ስርዓት ገዳ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዉን ቑጠባዉን ጸገማት ህዝቢ ኦሮሞ'ዉን እናፈትሐ መጺኡ'ዩ ይብሉ ኣባ ገዳታት እቲ ክልል።

ይኹን'ምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ክልል ዘጋጠሙ ጎንጽታት በቲ ባህላዊ ስርዓት ንምፍታሕ ኣይተኽኣለን። ንምንታይ ዝብል፡ ዘመናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ብስፍሓት ስለዝርከቡ ብምባል ይዛረቡ።

ኣብ ከባቢታት ዶብ እተን ክልላት ብዝተላዕሉ ጎንጽታት ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት እውን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

እቲ ጎንጺ፡ ካብ ሃረርጌ ጀሚሩ ክሳብ ቦረና ዝተዘርገሐ፡ ኣብ ኸባቢ ዶባት ዘለዉ ሰባት ይጎድእ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ቦረና ኦሮሞን፡ ገሪ ኢሎም ዝጽዉዑ ሶማሌን ድሕሪ ምግጫዎም ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአ ኣባ ገዳ ቦረና ኩራ ጃርሶ ይዛረቡ።

"ናትና ስርዓት-ገዳ ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ከጋጥም እንከሎ እንፈትሓሉ ኣገባብ ኣለና" ይብሉ ቀጺሎም።

ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ደኣ'ሞ ስለምንታይ ዘይሰርሐ?

እቶም ኣባ ገዳ ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ጸገማት ዶባት እንትዛረቡ፡ እቲ ዘሎ ጎንጺ ንዘተ ኾፍ ከይንብል ዓጊቱና'ዩ፤ እንዛረቦ ጠፊኡና ልዕሊ ዓቕምና ኾይኑና ይብሉ።

"ንዘመናት፡ ህዝብና ብስርዓት ገዳ እናተዓረቕና ኣብዚ በጺሕና፡ ሕዚ ዝኾኑ ዘለዉ ነገራት ግና፡ ይፍለዩ'ዮም። ብዘመናዊ መሳርሒ ዝተሓገዘ ስለዝኾነ። መንግስቲ ፌደራል ንምንታይ ከምዚ ከምዝገበረ ኣይተረድአናን" በሃሊ'ዮም።

እቲ ስርዓት፡ ማለት ስርዓት ገዳ፡ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዓብዪ ክብሪ ኣለዎ፡ ዉሳነ ኣባ ገዳታት ድማ ኽቡር'ዩ። ይኹን'ምበር ዉሳነታት ገዳ ምስ ፖለቲካዊ ዉሳነታት እታ ሃገር ዘለዎ ተቐባልነት ይፈላለ'ዩ።

በቲ ዝድለ ደረጃ'ኳ እንተዘይኾነ ኣብ ኦሮሞያ ዝፍጠሩ ጸገማት ፈቲሕኻ ሰላምን ምርግጋእን ንክህሉ ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣባ ገዳ ኩራ ጃርሶ ይዛረቡ።

ብስርዓት ገዳ ዝመሓደር ህዝቢ ኦሮሞን ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ንምፍታሕ እቲ ስርዓት ግንባር ቀደም እጃም ክህልዎ ጻዕርና ቐጻሊ'ዩ እዉን ኢሎም።

ታሪኽ ኦሮሞን ስርዓት ገዳን ዘጽንዑ ዶር ቦኩ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ጎንጺ ዝፈትሓሉ ክልተ መገዲ ኣለዎ። ምክልኻልን ምጥያስን እንትኾኑ፡ ነዚኦም ሓልዩ ኣብዚ በጺሑ'ዩ ይብሉ።

"ሓቂ እንተተዛቢዑ ይዕረ፡ ሓቂ ዘይፈቱ ሰብ ግና ሰትዩ'ዉን ኣይጸግብን" ይብሉ ዶር ቦኩ። ፖለቲካዊ ጽዕንቶ ካብ እንግድዓ ገዳ ክእለ ኣለዎ። ንህዝቢ ምዝታይ ግደ ገዳ ስለዝኾነ፡ ሰላም ንክመጽእ እቲ ህዝቢ ነቲ ገዳ ክሰምዖ ኣለዎ" ይብሉ።ስርዓት ገዳ ስለምንታይ ጎንጺ ዶባት ኦሮሚያን ሶማሌን ኢትዮጵያን ክፈትሖ ዘይከኣለ?

ተመሳሳሊ ዛዕባታት