ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝጓነፈ ጎንፂ 170 ሰባት ሞይቶም

ጎንፂ ደቡብ ሱዳን Image copyright AFP

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ክልተ ንኡሳን ክፋላት ብሄረሰብ ደቡብ ሱዳን ዝተፈጠረ ጎንፂ ልዕሊ 170 ሰባት ከምዝሞቱ ሓደ ተወካሊ ባይቶ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም።

እዚ ኣብ ክልል 'ዌስተርን ሌክስ' ዘጓነፈ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ 200 ሰባት'ውን ጉድኣት ንኽበፅሕ ምኽንያት ከምዝኾነ እቶም ተወካሊ ባይቶ ቤት ምኽሪ እቲ ከባቢ ዱራይ ማቡር ቴኒ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ጎንፅታት ምጉናፉ ልሙድ እኳ እንተኾነ ብዝሒ ቁፅሪ ምዉታን ግና ኣሰምባዲ ምዃኑ ተወካሊ ቢቢሲ ፈርዲናንድ ኦሞንዲ ካብ ናይሮቢ ፀብፂቡ።

እዚ ፍፃመ'ዚ፡ ንፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ ክእዉጁ ኣገዲዱዎም ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ንሰለስተ ሰሜናዊ ክልላት ዝምልከት እንትኸውን፥ ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ሓይሊታት ፀጥታ ንሰለስተ ወርሒ ዘፅንሕ ዕጥቅን ስንቅን ሒዞም ናብቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ተኣዚዚኦም።

እቲ ብብረት ዝጋጨዉ ዘለዉ ዕጡቓት ዕጥቆም እንተዘየውሪዶም ሓይልታት መንግስቲ ሓይሊ ክጥቀሙ ከምዝግደዱ እቶም ፕረዚደንት ሓቢሮም።

እቲ ዕግርግር ኣብ መንጎ ዕጡቓት መንእሰያት ክልተ ክፋላት ብሄረሰብ ዲንቃ እዩ ተኸሲቱ። ቅድሚኡ እውን ኣብ መወዳእታ ሕዳር'ውን ተጓኒፆም ነይሮም እዮም።

"ሕዚ ካብ ክልቲኡ ወገን ልዕሊ 170 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ 342 አባይቲ ተቓጺሎም ልዕሊ 1800 ሰባት ድማ ተመዛቢሎም" ክብሉ ተወካሊ ባይቶ ዱራይ ማቡር ቴኒ ንሮይተርስ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት፥ እቲ ህፁፅ ኣዋጅ ነቲ ፀገም ከረጋገኦ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ንምፅናዕ ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን እዩ።

ደቡብ ሱዳን ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብ2011 ናፅነታ ካብ እትእውጅ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ጎንፅታት ሕድሕድ ኣጓኒፉዋ'ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ሰላም ንምፍጣር ክገብሩዎ ዝፀንሑ ፃዕሪ ብዙሕ ኣይተሳኸዐን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት