ምብራቕ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክዋሃባ ሃገራት እስላም ኣተሐሳሲበን

ምስሊ ፍልስጤም ዝለበሱ ሰልፈኛታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኢስታምቡል ኣብ ኣኼባ ምትሕብባር ሃገራት እስላም ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ደገፍቲ ፍልስጤም

መራሕቲ 57 ሃገራት እስላም፡ ዓለም "ሃገረ ፍልስጤምን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እትርከብ ርእሰ ከተማኣ ምብራቕ እየሩሳሌምን" ዝብል ኣፍልጦ ክትህብ አተሓሳሲቦም።

ውድብ እስላማዊ ሕብረት (OIC) ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃበ ውሳነ ፕረዚደንት አሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፥ "ውድቂ" ገይሩዎ።

እቲ ስጉምቲ፡ አሜሪካ ኣብ ዕማመ ሰላም ማእኸላይ ምብራቕ ዝነበራ ግደ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ ክብል ድማ እቲ ውድብ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ቅድም ክብል እቲ ጉዳይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ባዕሉ ክሕዞ ሓቲቶም ነይሮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ፥ ኢስታምቡል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ አኼባ ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፥ አሜሪካ ምስ እስራኤል ወጊና እንከላ ከም መንጎኛ መተዓረቒት ኮይና ክትሰርሕ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊፆም።

ፍልስጤማውያን "ናይዚ ክፍለ ዘመን ዓብይ ስምምዕ" ንምእሳር ምስ ትራምፕ ዝርርብ ጀሚሮም ዝነበሩ ምዃኖም ብምግላፅ፥ ብኣንፃሩ ግን ናይዚ ክፍለ ዘመን ፅፍዒት ምርካቦም አዘኻኺሮም።

ናይ እየሩሳሌም አካታዒነት

እየሩሳሌም፥ እስራኤላውያን ምስ ፍልሰጤማውያን ንዘለዎም ዝተሓመሰ ርክብ ቀንዲ ምኽንያት እያ።

ብፍላይ ምብራቕ አካል እታ ከተማ ኣብ ዓለምና ናይ ዘለዉ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሃይማኖታት ማለት'ውን ኣይሁዳዊነት፥ እስላምን ክርስትናን ማእኸል እያ።

ቅድም ክብል ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዮርዳኖስ ወዲቓ ዝነበራት እንትኸውን፥ ደሕሪ ኲናት 1967 እስራኤል ኣብ ቁፅፅራ ኣእትያታ።

ፍልስጤማውያን ምብራቕ እየሩሳሌም እታ ንቕድሚት ክምስርቱዋ ዝህቅኑ ፍልስጤም ርእሰ ከተማ ገይሮም ይሓስቡ።

ክሳብ ሎሚ ሃገራት ዓለም ንእየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ኣፍልጦ ዝሃብሉ ጊዜ የለን። ኢምባሲታቶም'ውን ኣብ ቴል ኣቪቭ እዮም ዝርከቡ።

Image copyright TR
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ቱርኪ ኢርዶጋን "ኣንፃር ዕብለላ ኣሜሪካ" ጠጠው ከምዝብሉ ተመፃቢዖም

መራሕቲ ሃገራት እስላም ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ህዝቢ ፍልስጤም ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ገይረን ዝወሰደኦ እንትኸውን፥ ተጀሚሩ ዝነበረ ዕማመ ሰላም፡ ኮነ ተባሂሉ ንምስንኻል ዝተገብረ ከምኡ ድማ ንሽበራ ዓብይ ጉልበት ዝህብ ኢሎሞ።

ኣሜሪካ ካብቲ ዘይሕጋዊ ውሳነ ክትቁጠብ ዘይምኽኣላ ክትሕተት ይግባእ። ንጉዳይ ከይዲ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን መዋሊት ካብ ምዃን ድማ ክተንሳሕብ ኣለዋ።

ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት ዓለም ንፍልስጤምን ምብራቕ እየሩሳሌምን ኣፍልጦ ክህባ ፀዊዐን፤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕጋዊ ኣፍልጦ እታ ከተማ ኣብ ምሃብ ሓላፍነቱ ክፍፅም እውን ሓቲቶም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማርክ ሎውን ካብ ኢስታምቡል ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ እቲ ሕዚ ዝካይድ ዘሎ ኣኼባ ድሕሪ እቲ ብትራምፕ ብዕሊ ዝተገልፀ ውሳነ ስዒቡ ብስፍሓት ዝተራእየ ተቓውሞታት ዝካየድ ዘሎ ጥንክር ዝበለ ምላሽ ምዃኑ ይሕብር።

ገለ ሃገራት ዓረብ ድማ ንውሳነ ትራምፕ ይድግፋ፤ ስዑዲ ዓረብያን ግብፅን ሚኒስትራተን ጥራሕ እየን ናብቲ ኣኼባ ሰዲደን፤ እዚ ድማ ንኣሜሪካ ዘለወን ድጋፍ እዩ ዘመላኽት።

ሪካን እስራኤልን ከ 'ታይ በላ?

ኣሜሪካ ርእይቶ መሓመድ ዓባስ መአደምን ንዓመታት ዝኣክል ሰላም ዝኸለአን እዩ ትብል።

ስሙ ክፅራሕ ዘይደለየ በዓል ስልጣን "ከምዚ ዝበለ ግብረ መልሲ ኢና ኣሚትና፤ኣብቲ ዘውፃእናዮ ትልምኒ ፀኒዕና ክንሰርሕ ኣለና፤እዚ ድማ እዩ ንህዝብታት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝረብሕ" ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብወገኖም ብኣኼባ ውድብ ምትሕብባር እስልምና የመና ኣይተሓጐሱን።

"ፍልስጤማውያን ንቲ ሓቂ ብምድጋፍ ካብ ኣኽራራይነት ተናጊፎም ንሰላም ጠጠው እንተዝብሉ ይሓይሽ" ኢሎም።

"ኣብ መወዳእታ ሓቂ ክስዕር እዩ፤ ብዙሓት ሃገራት ንእየሩሳሌም ኣፍልጦ ብምሃብ ኤምባሲታተን ናብታ ከተማ ከዛውራ እየን" እንትብሉ ተደርፂፆም ተዛሪቦም።

ቅድም እንትብል ኣብ ከይዲ እማመ ሰላም እቲ ከባቢ ግደ ኣሜሪካ መተካእታ የብሉን ምባሎም ይዝከር።