ምሊሻታት ዴሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ 40 ህጻናት ብሓይሊ ብምግሳሶም ንሕልፈት ተፈሪዶም

ጾታዊ ግህሰት ደው ይበል Image copyright AFP

ኣብ ዴሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ 11 ኣባላት ምሊሻ፡ ካብ 2013-2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጓል ሸሞንተ ወርሒ ህጻን እትርከቦም ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድመአን 40 ህጻናት ብሓይሊ ብምግሳሶም ንሕልፈት ተፈሪዶም።

ፍረድሪክ ባቱሚኬ ዝተባህለ ኣባል ባይቶን መራሒ ናይታ ጉጅለ ሚሊሻን ሓደ ካብቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢዩ።

ገለ ተጣበቕቲ ነቲ ኣንጻርቶም ምሊሻ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣሞጊሶም። እቲ ፍርዲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺምካ ብነጻ ትኸደሉ ግዜ ከምዘብቅዐ የርኢ ድማ ኢሎም።

ቻርለስ ኩባካ፡ ጠበቓ ናተን ግዳያት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ "እቲ ፍርዲ ነቶም ከምዚ ዓይነት ገበን ክፍጽሙ ዝሕልኑ ሰባት ዓቢ መጠንቀቕታ እዩ" ኢሉ ።

እቲ ኣብ ካቩሙ፡ ደቡባዊ ኪቩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዝተፈጸመ ገበን ኢዩ ኢሉ።

እቲ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ እቶም ብሰራዊት የሱስ ዝፍለጡ ኣባላት ሚሊሻ "ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዝተፈጸመ ገበን፡ ብሓይሊ ምግሳስን ቅትለትን ስለዝነበረ እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ንሕልፈት ፈሪድዎም"።

እቶም ሰባት ብቅትለት፡ ኣባላት ናይ ዓመጽ ጉጅለን ዘይሕጋዊ ብረት ድማ ሒዞም ብምርካቦም'ውን ተፈሪዶም።

ዓሰርተ ሸሞንተ ዝኾኑ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከለው፡ ክልተ ብሓደ ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዱ ከለው፡ ሓሙሽተ ድማ ብነጻ ተፋንዮም።

መብዛሕትኡ እቲ ብሓይሊ ምግሳስ ብምሸት ኢዩ ተፈጺሙ። እቶም ሰባት ደም ናይተን ደናግል ኣዋልድ ካብ ዝኾነ ነገራት ዝከላኸል ልዑል-ተፈጥራዊ ሓይሊ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም።

ከም ካሕሳ እተን ዝተዓመጻ 5,000 ዶላር ኣሜሪካ ክውሃበን ከሎ፡ ንቤተ ሰብ ናይቶም በቶም ሚሊሻ ዝተቐትሉ ድማ 15,000 ዶላር ኣሜሪካ ክውሃቦም ምዃኑ ገለ ኣባላት ተጣበቕቲ መሰላት ገሊጾም።

ማርጎት ዋልስቶርም፡ ፍሉይ ልኡክ ሓቡራት ሃገራት-ነበር ኣብ ጉዳይ ጾታዎ መጥቃዕቲ ኣብ ግጭት ኣብ ዝካየድሉ ከባቢ ንዴሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ "ርእሰ ከተማ ዓለም ናይ ብሓይሊ ምግሳስ ዝካየደላ ሃገር" ሰምይዋ።

ጋርድያን ብ2016 ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ካቩሙ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ደው ከብሎ ብዘይምኽኣሉ ዝሓረቐ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ባዕሉ ካብ ሓልፍነቱ ወሪዱ።

እታ ሃገር ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ግጭት ስለዘላ፡ መብዛሕትኡ ክፋል ምብራቓዊ ዴኦምክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት ይርከብ።