ህይወት ዝግበረሎም ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ

መመረቒ ቖቢዕ ዩኒቨርሲቲ Image copyright Christopher Furlong

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ብዝተፈጥረ ጎንፂ፥ ኣብ ልዕሊ ህይወትን አካል ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ይበፅሕ አሎ።

ኣብ መብዛሕተአን ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፥ ምምሃርን ምስትምሃርን ከይዲ ዝተቛረፀ እንትኸውን፥ ብዙሓት ተምሃሮ ነናብ ዝመፅሉ ትውልዲ ቦተኦም እናተመለሱ እዮም።

ኣብተን ብጎንፂ ዝሕመሳ ዘለዋ ዩነቨርስትታት፥ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከይተረፉ ናይ ምርግጋእ ስራሕቲ ይሰርሑ'ኳ እንተለዉ እቶም ተምሃሮ "እንታይ ውሕስነት ሒዝና ክንምለስ?" ዝብል ረዚን ሕቶ እናልዐሉ እዮም።

እንታይ እዩ ተፈጢሩ?

ሐዚ በብኸባቢኡ ዝፍጠር ንዘሎ ዕግርግር መንቀሊኡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ወልድያ፥ ንኽካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ክለባት ወልድያን መቐለን እዩ።

እቲ ፀዋታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም ክለባት ዝተልዓለ ጎንፂ ንሕልፈት ህይወትን ንንብረት ምዕናውን ምኽንያት ኮይኑ።

ብድሕሪኡ ኣብ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዝተላዕለ ጎንፂ ህይወት ሓደ ተምሃራይ ጠፊኡ። ቀሊል መጉዳእቲ ድማ በፂሑ።

ፀኒሑ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ናይ ክልተ ተምሃሮ ህይወት ሓሊፉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሻንጠኦም ሒዞም ናብ ዓዶም ንምጓዓዝ ኣብ ምድላው እንተለዉ

ከምኡ ድማ፥ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረታቦር ናይ ተምሃራይ ህይወት ከምዝሓለፈ፥ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ደ/ር ኣለማየሁ ከበደ ንመራኸቢ ብዙሓን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጦም። ካልኦት ግን ቁፅሪ መወትቲ ክብ የብሉዎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር'ውን ጎንፂታት ተላዒሎም ብዙሓት ቆሲሎም ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል እታ ከተማ ይሕከሙ ከምዘለዉ ምንጭታት ይገልፁ።

ኣብ ዩኒቨርሲታት ጎንደርን ወልዲያን ድማ ጎንፅታት ተላዒሎም ብዙሓት ተምሃሮ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተንቀሳቒሶም ተምሃሮ ዩኒቨርስታት ባህርዳርን ደብረታቦርን ዘዘራረቡዎም እንትኾን እቶም ተምሃሮ ኣብ ልዑል ስግኣት ከምዝወደቑ ኣስተውዒሎም።

ብስልኪ ዘዘራረብናዮም ተማሃሮ ላዕለዋይ ብርኪ ቤት ትምህርታት ድማ ንድሕንነቶም ሰጊኦም ከምዝርከቡን ናብ ገዘኦም ክምለሱ ከምዝደልዩን ይዛረቡ።

ዩኒቨርሲቲ ደብረ-ታቦር ሐዝውን ብሓይልታት ፀጥታ ተኸቢቡ ከምዝርከብን ትምህርቲ ከምዘይተጀመረን ናይ ሳልሳይ ዓመት ተምሃሪት ዝኾነት ካብ ኣዲስ አበባ ዝመጽአት ተመሃሪት ንቢቢሲ ትገልፅ።

ዋላ'ኳ ምምሕደራ እቲ ዩኒቨርስቲ መፃኢ ሰኑይ ትምህርቲ ከምዝጅመር እንተፍለጠ፥ ካብ ውሑዳት ተምሃሮ ወፃኢ ኣብቲ ቀፅሪ ሰብ ዝበሃል ከምዘየለ ወሲኻ ትዛረብ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመረ ጎንፂ እዚ ዩኒቨርስቲ፥ እቲ ዕግርግር ሰሉስ'ውን ቀፂሉ ከምዘርፈደን፥ ተምሃሮ በትሪ ሒዞም ሆ! ኢሎም ከምዝወፁን ትዛረብ። መብዛሕተኦም ተምሃሮ ድማ ኣብዚ ዕለት እዮም ምውፃእ ጀሚሮም ትብል እታ ተምሃሪት።

ኣብ ዩኒቨርስታት ብብሄር ምጉጅጃል ዝተለመደ እንተኾን'ኳ፥ ኣብ ዝሓለፈ ፃንሒታ እቲ ዩኒቨርስታ ከምዚ ዓይነት ጎንፅታት ሪኣ ከምዘይትፈልጥ ትዛረብ።

እዛ ተምሃሪት ውሑድ መዓልታት ሓልያን ኩነታት ሪአን ንአዲስ አበባ ናይ ምምላስ ሓሳብ ኣለዋ።

ካሊእ ተምሃሪት ምህንድስና-ማይ፥ እዚ ዩኒቨርስቲ ተምሃሪት ድማ ጠቕሊላ ንኣዲስ ኣበባ ዝኣተወት እንትኸውን፥ ብዝረኣየቶ ነገር ብጣዕሚ ሓዚና ትምህርታ ጠንጢና ናብ ትውልዲ ቦታኣ ናብ መቐለ ንምኻድ ከምዝወሰነት ትዛረብ፤ "ህይወተይ ይዓብየኒ" ብማለት።

እቲ ከተማ ሰላም እኳ እንተላ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዘሎ ዕግርግር ግን ብቐሊሉ ጠጠው ክብል እዩ ዝብል እምነት የብላን። ንድሕንነታ ዝኾነ ውሕስና ከምዘይብላ እውን ትዛረብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣዕርኽቶም ዝሰኣኑን ብፖሊስ ዝሕለውን ዘለው ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ብወገኖም ክሳዕ ሕዚ ከምዘይተረጋግኡ ይዛረቡ። "ናብ ገዛና ክንምለስ ጥራሕ ኢና እንደሊ" ብምባል፡ ብሰንኪ ስግኣት፡ ትምህርቲ ናይ ምቕፃል ድሌት ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ገሊፆም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተመዛበልቲ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቱ

ሓለፍቲ ዩኒቨርስታትከ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ዝኽበር ዝነበረ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ ብቐሊሉ ብሙዚቃ ዝተልዓለ ጎንፂ ናብ ዘየድሊ ናይ ጉጅለ ዕግርግር ኣምሪሑ ህይወት ሓደ ሰብ ጠፊኡ።

ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ዛይድ ነጋሽ፥ " ተምሃራይና ስለዝሰኣንና ብጣዕሚ ሓዚንና" ኢሎም።

ህዝቢ ዓድግራትን ምምሕዳር እቲ ከተማን ድማ ተቓውምኡ ከምዝገለፀ ይዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ነቲ ኩነታት ንምርግጋእን ይፅዕሩ'ለው።

ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ንክቕጽል ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ድማ ዶ/ር ዛይድን ዶ/ር ኣለማየሁ ከበደን ይገልፁ።

ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ-ገፃት ቁፅሪ መወትቲ ወሲኾምን ኣጋዲዶምን ዘወርዩ ኮነ ኢሎም ሰላም ንምዝራግን እቲ ኩነታት ንክባራዕን እንተዘይኮይኑ ካልእ ክበሃል ከምዘይከኣል ዶ/ር ዛይድ ንቢቢሲ ገሊፆም።

መንግስቲ ኸ 'ታይ ይገብር ኣሎ?

ሚንስትር ትምህርቲ ዶክተር ጥላዬ ጌቴ እቲ ኣብዚ ቕንያት እዚ ዝረአ ዘሎ ህውከት ከይዲ ዴሞክራስን ልምዓትን እዛ ሃገር ክሕምሱ ዝምነዩ ሓይልታት ዘዋፈርዎም ተምሃሮ ዝፈጠርዎ እዩ እንትብሉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።

እቲ ፀገም ስለ ዝተሓላለኸ ዘላቒ ፍታሕ የድልዮ እዩ ድማ ኢሎም።

ነዚ ፀገም እዚ ዝከታተልን ዝፈትሕን ብደረጃ ፌደራል 'ኮማንድ ፖስት' ተጣይሹ'ሎ እንትብሉ እውን ተዛሪቦም።

ምስ በዓል ስልጣን መጓዓዝያ ብምትሕብባር ካብ መኣዲ ትምህርቶም ተፈናቒሎም ዝነበሩ ተምሃሮ ንምምላስ እውን ንሰርሕ ኣለና ይብሉ እቶም ሚንስትር።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ኣትሒዙ ድማ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሚንስቴር ትምህርትን ኣመራርሓ ዩኒቨርስታት ናብ 22 ዩኒቨርሲታት ብምኻድ ነቲ ፀገም ንምእላይ ፃዕሪ ከምዝግበር ዶክተር ጥላዬ ገሊፆም።

ካብዚ ወፃኢ ተምሃሮ ቀልቦም ናብ ትምህርቶም ጥራሕ ክገብሩ ብስምዒት ከይኽብኰቡ ምዒዶም።

ነፃ መድረኻት

ኣብዛ ሃገር ክረአዩ ዝፀንሑ ዓሌታዊ ጎንፅታትን ምፍሕፋሕን ናብ ዩኒቨርስታት ዝኣተዉ ዘለዉ ይመስሉ።

"ኣብ ከባቢ ዩኒቨርስቲ ዘሎ ፀገም መልዓሊኡ ምሕደራን ተዛመድቲ ኩነታትን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ብሓፈሻ ናይታ ሃገር ፀገም ነፀብራቐ እዩ" ይብሉ ፕረዚደንት ነበር ኢፌድሪ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ንቢቢሲ እንትዛረቡ።

"ተምሃሮ ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም፤ መሰሎም እዩ። መሰሎም ንክኽበረሎም ድማ ብነፃነት ክውደቡ ኣለዎም" ይብሉ።

ስለዝኾነ ድማ ሕብረት ተምሃሮ ብነፃነት ተወዲቦም ሕቶኦም ብሓባር ዝቕርብሉ መድረኽ ክመቻቸወሎም ከምዘለዎ ይሕብሩ።

"ከምዚ ዓይነት መድረኽ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲ ዘለዉ ፀገማት ንምቕራብ ጠቓሚ እዩ። በዚ መንገዲ ተዘይኮይኑ በቲ ሕዚ ሒዞሙዎ ዘለዉ ፈለግ ብዙሕ ርሕቐት ኣይጎዓዙን" ይብሉ።

ሰላማዊ ሰልፊ እንትገብሩ'ውን ስርዓቱ ኣግባቡ ብዝሓለወን ክኸውን አለዎ ይብሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ስማ ክግለፅ ዘይደለየት ሓንቲ ተምሃሪት ዝለኣኸትልና ስእሊ ከምዘርእዮ ዩኒቨርስቲ ደብረታቦር ብሓይልታት ፀጥታ ተኸቢቡ'ሎ

እቲ ኩነታት በዚ መንገድ ዝቕፅል እንተኾይኑ ግን ትምህርት ካብ ምስንኻል ብዝዘለለ ካልእ መዘዝ ከስዕብ ከምዝኽእል ይግምቱ።

ሕዚ ዘሎ ብብሄር ምጉጅጃልን ናብ ፅልኢ ሕድሕድ ከምኡ ድማ ናብ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምብላዕ ከብፅሕ ይኽእል እዩ ይብሉ።

"በዚ እንተቐፂሉ እቲ ፀገም ናብ ሕበረተሰብ'ውን ክወርድ ይኽእል እዩ።

ምናልባሽ'ውን ሕማቕ ተጓንፎ ከስዕብ የኽእል እዩ" ኢሎም።

ብነፃነት ብዛዐዕባ ምውዳብ አመልኪቱ፥ "ሕዚ እቲ አጀንዳ ብዛዕባ ዲሞክራሲን ልዓትትን ምዃኑ ተሪፉ 'ህይወት ዜጋታት ብኸመይ ምድሓን ይከኣል' ዝብል ኮይኑ" ይብል፥

ምሁር ፖሊቲካል ሳይንስን ስትራተጂካዊ መፅናዕትን ዩኒቨርስቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሰይፈ ሃይሉ።

ክልተ ናይ ህፁፅን ናይ ነዊሕ እዋን ፍታሓትን ድማ ይረቁሕ።

ኣብ ሓፂር ግዜ ጎንፂ ተምሃሮን ሞትን ንምንካይ፥ ተምሃሮ ኣብ ከክልሎም ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክከታተሉን፥ ዝተረፉ ድማ ኣብ ጥቐኦም ኣብ ዝርከቡ ሰላማዊ ዝኾኑ ዩኒቨረስታት ክከታተሉ ይመኽሩ።

ሰላማዊ ፍትሕ ?

ኣይተ ሰይፈ ግን " ነንሕድሕድና እናተቐታተልናን እናተጠፋፋእናን ሓቢርና ካብ እንነብር፥ ደፋር ፖሊቲካዊ ፍትሕ ክሕተትን ለውጢ ክመፅእን ተፈላሊና ንፈትኖ ዝብል አጀንዳ ብህፁፅ ክለዓል ኣለዎ" ይብል።

"ኣብዚ ደረጃ'ዶ ተበፂሑ እዩ?" ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣይተ ሰይፈ፥" ብርግፅ እዚ ንምግባር ዝኽእል ዝተወደበ ሓይሊ የለን። ውፁልና ዝብል ሕቶ ካብ መፀ ግን ክግበር አለዎ" ይብል።

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ግን "ንገንፀል ዝብሉ ጉጅለታትን ውድባትን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንሱ እውን ናይ ባዕሉ ከይዲ አለዎ። ውሳነ ህዝቢ ድማ ክትግበር ይኽእል።

ይኹን'ምበር ምግንፃል ዝደሊ፡ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ኣብ ኢትዮጰያ ዘሎ ኣይመስለንን" ይብሉ።

መንእሰይ ሰይፈ ሓሳባቱ ንምብራህ " ኣብዛ ሀገር ሓደ ብሄረሰብ ምስ ካሊእ ብሄረሰብ ተኸባቢሩን ተሓባቢሩን ብሓደ ክነብር ድሌት ከምዘይብሉ መርአያ እዩ" ይብል።

ቀጺሉ፤ "እቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይርና ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምፍልላይ ክንሓስብ አለና።

ንሓድነት ሃገር ተባሂሉ ህይወት ደቂ ሰባት እናተኸፈለ ክነብር የብሉን፥ ጠጠው ክብል አለዎ" ብምባል የረድእ።

"ዓገብ ዝብል የለን!"

ናይቲ ፀገም ዋና መንቀሊ እንታይ እዩ ተባሂሉ ክፅናዕን ብኡ መሰረት ድማ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ክወሃብን ከምዘለዎ ደ/ር ነጋሶ ይዛረቡ።

መንእሰይ ሰይፈ ግን ቀንዲ ምኽንያታት እቲ ፀገም እቲ ምሁር ሓይሊ ክሳዕ ሐዚ ናይ ሓባር ፀጋታት ኣይፈጠረን ዝብል እምነት አለዎ።

ከምኡ ድማ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ውሽጢ ዝሰፈሩ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው ጠጠው ዝብል ሓይሊ ከምዘይተፈጠረ ዓብይ ምልክት ከምዝኾነ ይዛረብ።

ሕዚ ይረአዩ ንዘለው ቅልውላውን ነውፅን ብኣውርኡ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ተሓታቲ ዝገብር መንእሰይ ሰይፈ፥ ኣካል ፍታሕ ክንዲ ክኾን ንባዕሉ ኣብቲ ፀገም ጥሒሉ ይሕምስ ኣሎ ይብሎ።

ብሓፈሻ ግን እዚ ኩሉ መዓት እንትወርድን ህይወት ሰብ ብኸንቱ እንትሓልፍን ብፍላይ ካብ ፊደል ዝቖፀረ ኣካል "ዓገብ ዝብል ሰብ ተሳኢኑ" ይብል።