ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ኣይሰርሕን ኣሎ

ፌይስ ቡክ Image copyright Justin Sullivan

ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት ብፍላይ ድማ ፌስ ቡክን ትዊተርን ክጥቀሙ ይጽገሙ ምህላዎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብዝተላዕሉ ጎንጽታት፡ እቲ ማሕበራዊ ድሕረ ገጽ ክዕጾ ዝተገበረ እንትኾን፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ብምጥቃም ፌይስ ቡክን ትዊተርን ምጥቃም ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓደ ሓደ ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም።

ብተደጋጋሚ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት ከምዝቋረጹን ዓማዊል ቪፒኤን (ቨርቹዋል ፕራይቬት ኔትወርክ) ንምጥቃም ይግደዱ ምህላዎም ኣሽማቶም ክጽራሕ ዘይደለዩ ወሃብቲ ርኢቶ ተዛሪቦም።

በፍቃዱ ሃይሉ ዝተባህለ ግን "ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብቪፒኤን'የ እየ ዝጥቀም" ክብል ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ሃረር፡ ባህርዳርን ኣዳማን ምቁርራጽ ኢንተርኔት ከምዘጋጠመ፡ ብፍላይ ኣብ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ኢንተርኔት (ዳታ ኔትወርክ) ተጠቒምኻ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት ምጥቃም ኣጸጋሚ ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፡ ኔትዎርክ "ዋይ ፋይ" ብምጥቃም ኣገልግሎት ክረኽቡ ይፍትኑ ከምዘለዉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምቁርራጽ ኢንተርኔት ከምዝጋጠመ ኣልዒሉ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢ ጨለንቆ ዘጋጠመ ጸገም ምኽንያት ክኸዉን ከምዝኽእል ሓቢሩ'ዩ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ኣይተ ዓብዱራሕማን ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ግና፡ "ኢንተርኔት ኣይተቋረጸን፤ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት'ዉን ይሰርሑ'ዮም ዘለዉ" ድሕሪ ምባል፡ ካብኡ ሓሊፉ፡

ብቪፒኤን ዝጥቀሙ ሰባት ጉዳዮም ምስቲ ዝሰርሕሉ ትካል እምበር ምስ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝተሓሐዝ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት