ክለባት ኤርትራ ዝበኾራሉ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ 2018 ኣብ ለካቲት ክጅምር'ዩ

ናይ 2017 ዕውትቲ ክለብ ሞሮካዊት ክለብ ወይዳድ ካዛብላንካ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሞሮካዊት ክለብ ወይዳድ ካዛብላንካ ንግብጻዊት ክለብ ኣል ኣህሊ ብምስዓር ናይ 2017 ውድድር ቻይምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ዋንጫ ወሲዳ

ምድብ ክለባት ቀዳማይ ናይ መጻረዪ ዙርያ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክለባት ኣፍሪቃ (ቻይምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ) 2018 ንምፍላጥ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ግብጺ ዕጫ ተጌሩ፡ እንተኾነ ግና ንኤርትራ ዝውክላ ክለባት ከምዘየለዋ እቲ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዘውጽኦ ዝርዝር የመልክት።

ስለምንታይ ክለባት ኤርትራ ክሳተፋ ከምዘይካኣላ ዝተዋህበ መግለጺ የለን፡ ቢቢሲ ንኣስመራ ብምድዋል ካብ ኮምሽን ስፓርት ኤርትራ ሓበሬታ ክረክብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ኤርትራን ሶማልያን ዝርከበአን ሸሞንተ ሃገራት ክለባት ከም ዘይሳትፋ ካብቲ ዝወጸ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሞሮካዊት ክለብ ወይዳድ ካዛብላንካ ንግብጻዊት ክለብ ኣል ኣህሊ ብምስዓር ናይ 2017 ውድድር ቻይምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ከም ዝተዓወተት ይዝከር።

ወይዳድ ካዛብላንካ ሒዊሱ፡ ሓሙሽተ ካብተን ኣብቲ ናይ ዝመጽእ ዓመት ውድድር ዝሳተፋ፡ ብቐጥታ ናብቲ ናይ ጉጅለ ደረጃ ከም ዝሓልፋ ካፍ ኣፍሊጡ'ሎ።

እተን ካልኦት ኣርባዕተ ዕዉታት ጋንታታት ድማ፡ ዋንጫ ኮንፈደረሽን ኣፍሪቃ (ካልኣይ ደረጃ ውድድር) ዝተዓወተት ኮንጎኣዊት (ዲ.ሪ.ኮ.) ክለብ ቲፒ ማዘምበ፡ ኣብ 2017 ካላኣይቲ ዝወጸት ግብጻዊት ክለብ ኣል ኣህሊ፡ እታ ናይ 2016 ዋንጫ ዝዓተረት ማመሎዲ ሳንዳውንስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)ን ኣብ 2007 ነታ ዋንጫ ወሲዳ ዝነበረት ክለብ ኤቶይለ ዱ ሳሀል (ቱኒዝያ) እየን።

ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብቲ ውድድር እተሳተፍ ክለብ ቅዱስ ግዮርግስን ኣብ ፈላሚ ጸወታኣ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን ክለብ ኣል ሳላም ክትገጥም ምዃና ድሮ ተፈሊጡ'ሎ።

ንመጀመርታ እዋን፡ ዛምቢያ ዘናኮን ዘስኮ ዩናይትድን ዝበሃላ ክልተ ክለባት ኣብቲ ውድድር ከተሳትፍ እያ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካፍ ኣብዘወጽኦ መግለጺ፡ ውድድር ክለባት ኣፍሪቃ (ቻይምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ) 2018 ኣብ ካልኣይ ሰሙን ለካቲት ጀሚሩ፡ ናይ ክልተ እግሪ መዛዘሚ ጸወታ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ክካየድ ምዃኑን ድሕሪኡ ግና ናይ ጊዜ ለውጥታት ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንኣብነት፡ ናይ 2019 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጥርን ላካቲትን ዝካየድ፡ ናብ ሰነ ወይ ሓምለ ከም ዝሰሓብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ዙር:

ቅዱስ ግዮርጊስ (ኢትዮጵያ) - ኣልሰላም (ደቡብ ሱዳን)

ሲናፕስ (ማደጋስካር) - ካምፓላ ካፒታል ሲቲ ኦውቶሪቲ (ኡጋንዳ)

ዜናኮ (ዛምቢያ) - ጋምቢያ ኣርምድ ፎርስስ (ጋምቢያ)

ባንቱ ኤፍሲ (ሌሰቶ) - ምባባነ ስዋሎውስ (ስዋዚላንደ)

ስታደ ማሌን (ማሊ) - ዊልያምስቪል ኤሲ (ኣይቮሪኮስት)

ኣል ታሓዲ (ሊብያ) - ኣዱዋና ስታርስ (ጋና)

ኢንተንተ ሰቲፍ (ኣልጀሪያ) - ኦሎምፒክ ሪያል ባንጉይ (ሪፓፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ)

ሪያል ባማኮ (ማሊ) - ኤም ኤፍ ኤፍ ሲ (ናይጀሪያ)

ኤ ኤስ ኦቶሆ (ኮንጎ) - ሞውላውዲያ ኣልጀር (ኣልጀሪያ)

ኤ ኤስ ፋን (ኒጀር) - ሆሮያ (ጒኒ)

ጀነረሽን ፉት (ሰኔጋል) - ምስር ማካሳ (ግብጺ)

ያንግ ኣፍሪካንስ (ታንዛንያ) - ሴንት ሉዊስ (ሰይሸልስ)

ታውንሽፕ ሮለርስ (ቦትስዋና) - ኣል መሪኽ (ሱዳን)

ጎር ማህያ (ኬንያ) - ሊዮነስ ቨጀተሪያኖስ (ኢኳቶሪያል ጒኒ)

ኣሳክ ኮንኮርደ (ማውሪታንያ) - ኤስፐራንስ (ቱኒዝያ)

ፐላቶ ዩናይትድ (ናይጀርያ) - ኤዲን ስፖርት (ካመሩን)

ኤሲ ሊዮፓርድስ (ኮንጎ) - ኤኤስ ፓርት ሎመ (ቶጎ)

ሊስክር ኤፍሲ (ላይበሪያ) - ኣል ሂላል (ሱዳን)

ጀይ ከይ ዩ ኤስሲ (ዛንዚባር) - ዘስኮ ዩናይትድ (ዛምቢያ)

በኒን ሪፕረዘንታቲቭ - ኣሰክ ኣቢዣን (ኣይቮሪኮስት)

ንጋያ ክለብ (ኮሞሮስ ኣይላንድስ) - ዩዲ ሶንጎ (ሞዛምቢክ)

ዲ ኤች ኤል ሃዲዲ (ሞሮኮ) - በነፊካ (ጒኒ ቢሳው)

ኤ ኤስ ቪታ ክለብ (ዲ. ሪ. ኮንጎ) - ቢ ፎርዋርድ ዋንደረርስ (ማላዊ)

ፕሪሜሮ ኣጎስቶ (ኣንጎላ) - ኤፍ ሲ ፕላቲነም (ዚምባብወ)

ቢድቨስት ቨትስ (ደቡብ ኣፍሪቃ) - ፓምፕለማውስስ ኤስ ሲ (ማውሪሺየስ)

ሪዮን ስፓርትስ (ርዋንዳ) - ሊድያ ሉዲክ ቡሩንዲ ኣካዳሚክ (ቡሩንዲ)

እትን ብቐጥታ ናብቲ ዝቕጽል ደረጃ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ክለባት እውን መጋጥምተን ኣዮኖት ክኾና ከም ዝኽላ ፈሊጠን ኣለዋ።