ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዘለዎ መዕርፎ ነፈርቲ ሃርትስፊልድ ጃክሰን ኣትላንታ በረራታት ተሰሪዙ

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሃርትስፊልድ ጃክሰን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃርትስፊልድ ጃክሰን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ፅዑቕ በረራ ዘተኣናግድን መዕርፎ ነፈርቲ'ዩ

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ሃርትስፊልድ ጃክሰን ሓይሊ መብራህቲ ተቛሪፁ፤ ብኽፋል ተዓፅዩ፤ ኣገደስቲ በረራታት እውን ተደናጒዮም።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ መዓልቲ 250 ሽሕ ተጓዓዝቲን 2500ን በረራ የተኣናግድ። ተጓዝቲ ኣብ ፀልማት መፀለልን ኣብ ውሽጢ ኣውሮፕላንን ተሪፎም።

ካብ ካልኦት ሃገራትን ከባቢታትን መደብ ተታሒዙ ዝነበረ በረራታት ናብ ካልእ ቦታ ተዛዊሩ፤ ገሊኡ እውን ኣብ ዘለዎ ክም ዝጸንሕ ኮይኑ።

ምምሕዳር እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንበት ኣጋምሽት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝተቛረፀ ኣፍሊጡ። ምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝረከበሉ ጆርጂያ እቲ ፀገም ኣብቲ መዐርፎ ነፈርቲ ዘጓነፈ ሓዊ እዩ ኣነቂልዎ ኢሎም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 1000 በረራ ተሰሪዙ

እቲ ጠንቂ ኣይፈለጥዎን ነይሮም፤ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ድማ ክዕረ እዩ ዝብል ትፅቢት ነይሩዎም።

ማእከል መቆፃፀሪ ሓይሊ ብስሩዕ ይሰርሕ'ሎ፤ ኮይኑ ግና ንኣመሪካ፣ሳውዝዌስትን መንገዲ ኣየር ኣመሪካን ሓዊሱ ዓበይቲ መንገዲታት ኣየር ንምሉእ መዓልቲ ኣደንጉየሞ።

ኣብ ማሕበረሰባዊ ማዕከናት ዝተጠቅዑ ኣሳእል ተጓዓዝቲ ኣብ ፀልማት እንትፀበዩ የርእዩ።

ፖሊስ ብወገኑ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ከምዝሰደደ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣትላንታ 20 ሰዓታት በረራ ዝተኣናገደላ 80 ሚኢታዊ ህዝቢ ኣመሪካ ዝሽፍን ኣብ ማእከል ስሕበት መጓዓዝያ እታ ሃገር እያ።