መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ጥቕዓት ኣፃርዩ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማሪያም ደሳለኝ Image copyright ASHRAF SHAZLY

ኣብዛ ሃገር በብኸባቢኡ ዝረአ ዘሎ ጎንፅን ዕግርግርን ብዝምልከት ትማሊ ሰንበት ኣማስዮም መግለፂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማሪያም ደሳለኝ እቲ ጉዳይ ናይታ ዓዲ ሃለዋትን ሓድነትን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘጥሕል ብርኪ ምብፅሑ ሓቢሮም።

መንግስቲ እቲ ጉዳይ ኣፃርዩ ዘየዳግም ስጉምቲ ከምዝወስድ ድማ ወሲኾም አረዲኦም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተዓዘብቲ ግና መንግስቲ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ደንጒዩ ክብሉ ይነቕፉ።

መንግስቲ ፌደራል ብፍላይ ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጰያን ሓቢሩ እናሰርሐ ናብ ዝቕፅል ምዕራፍ ኣብ ምስጋር እናሃለወ፥ እቲ ጎንፂ እንደገና ተጓሃሂሩ ኣብ ወረዳ ምዕራብ ሃረርጌ ቀበሌ ጋድሌ ተወለድቲ ኢትዮጵያ ሶማሌ ንድሕንነቶም ተባሂሉ ኣብ ፖሊስ ጣብያ ተዓቂቦም እናሃለዉ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ከምዝተፈፀሞም ገሊፆም።

ቅድም ክብል ኣብ ጨለንቆ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝተፈፀመ መቕተልቲ'ውን ኣውጊዞም። ሓይልታት ፀጥታ ድማ ሰላም ኣብ ዘስፍንሉ እዋን ዝኾነ ክፍተት እንተተፈጢሩ መንግስቲ ከፃሪ ምዃኑ ወሲኾም ኣረዲኦም።

ብካሊእ ገፅ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያን አምሓራን ዝርከቡ ዩኒቨርስታት ዓዲግራት፣ ወለጋ፣ አምቦ፣ ደብረ ታቦር፣ ወልድያ፣ ባህርዳርና ጎንደር ውሸጢ ዝተልዓሉ ጎንፅታት ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ ፥ መጉዳእቲ አካል ከምዝበፅሐን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ተዛሪቦም።

ተምሃሮ ላዕለዋይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ስምዒትን ጎንፅን ርሒቖም ምኽንያታዊ ክኾኑን ንሃገሮም ተስፋ ከሰንቁን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር አተሓሳሲቦም።

ኣብ ዩኒቨርስታት ዘሎ ዕግርግር ክሳብ ዝረጋጋዕ ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝቐፅልን ሓይልታት ፀጥታ ድማ ኣብ ቅፅርታት ሰላም ከምዘስፍኑን አፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ትሕዝቶ ዘመሓላልፉዎ መልእኽቲን ሓበሬታን ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ሕጊ ኣኽቢሮም ክሰርሑ እዚ ኣብዘይገብሩ ግና መንግስቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ሃይለማርኣም ኣብቲ መግለፂኦም መንግስቲ ዝገብሮ ምፅራይን ንዕኡ ስዒቡ ዝወስዶ ስጉምትን በብደረጅኡ ንህዝቢ ግልፂ ከምዝገብር ደጋጊሞም ዝሓበሩ እንትኸውን፥

እዚ ምግባር እቲ ፀገም ከይጋደድ ከምዝጠቅም መንግስቲ ድሒሪ'ውን እንተኾነ ዝተረደኦ ይመስል ይብሉ ተዓዘብቲ። እቲ መግለፂ ዝደንጎየ ምዃኑ ብምዝራብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት