ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ብመጥቃዕቲ ሳይበር ብጽኑዕ ከሲሳ

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ርእይቶ ካብ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ቶምስ ቦሰረት ዘቲ እዩ ተዋሂቡ

ኣብዚ ዓመት ዝተርኣየን ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሆስፒታላት: ትካላት ንግድን ባንክታትን ዘጥቅዐ፡ ዋና ክራይ ዝተባህለ ሶፍትዌር ሰሜን ኮርያ'ያ ዘርጊሓቶ ክብል ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ንዕንወት ኣብ 150 ሃገራት ንዝርከባ 300,000 ኮምፒተራት ጠንቂ ምዃኑን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኪሳራ ከምዘብፀሐን ተዘሪብሉ እዩ።

ቶማስ ቦሰርት፥ ላዕለዋይ ሓጋዚ ዶላንድ ትራምፕ ነዚ እዚ ክሲ ኣብ ጋዜጣ 'ዎል ስትሪት' ኣቕሪቦምዎ ኣለዉ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ንኮምፒዩተራት ዘጥቅዑ ሸፋቱ ሳይቨር ካብ $300-600 ዶላር ይሓቱ

ኣሜሪካ ነዚ ወግዓዊ ክሲ'ዚ ንፈለማ እዋን እያ ኣቕሪባቶ። እቶም በዓል ስልጣን እቲ ክሲ ኣብ "ጭቡጥ መረዳእታ" ዝተደረኸ እዩ ይብሉ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ማይክሮሶፍትን እውን እቲ መጥቃዕቲ ምስ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ኣለዎ እዩ ኢሎሞ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፥መጥቃዕቲ ዝበፀሐን ኮምፒውተራት ተዓፅየን እየን፤ካብተን ኮፕምፒውተራት መረዳእታ መሊስካ ንምርካብ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉ እዩ። 'ዩሮፖል' ዝበሃል ሕጋዊ ኣካል ኣውሮጳ እቲ ብርኪ መጥቃዕቲ "ቅድሚ ሎሚ ፈፂሙ ዘይተርኣየ" እንትብል ገሊፁዎ እዩ።

Image copyright kcna/afp
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ንቲ ኽሲ ምላሽ ኣይሃበትሉን

በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ቦሰርት፥ ሰሜን ኮርያ ብግድን "ተሓታቲት" እያ፤ ኣሜሪካ ድማ ሰሜን ኮርያ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዘኽእላ ዓቕሚ ንምድኻም "ኣድላይ ዘበለ ፀቕጢ" ክትገብር እያ ኢሎም።

እቶም በዓል ስልጣን መረጋገፂ እንተተረኺቡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ እዩ ክውሰድ ንዝብል ብንፁር ኣይተዛረቡን።

ሰሜን ኮርያ "መዋሊት ኣኽረርቲ" ተባሂላ ምስተኸሰሰት ኣብ ልዕሊ ቑጠብኣ ማዕቀባት ተደንጊጉ'ዩ።

እዚ ድማ ምስቲ ሰሜን ኮርያ ምስ ዝሓዘቶ ፕሮግራም ኒኩለርን ሚሳኤልን ዝተሓሓዝ እዩ።

ሜመሪካ ሎሚመዓልቲ ወግዓዊ መግለፂ ክትህብ ትፅቢት ይግበር።

ተወሳኺ ዛንታ