ሒጃበይ ኣይኣልን ስለዝበለት ከይትፍተን ዝተኸልከለት ናይጀርያዊት

ምርቕቲ ሕጊ ናይጃሪያዊት አማሳ ፊርደኡስ Image copyright Alamy

ናይ ሕጊ ምርቕቲ ናይጃሪያዊት፡ ሕጋዊ ጠበቓ ኮይና ንክትሰርሕ ዘኽእላ ፈተና ንምወሳድ ሒጃበይ ኣይውፀእን ስለዝበለት ጥራሕ ከይትፍተን ተኸልኪላ።

እታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦሎን ብሕጊ ዝተመረቐት ናይጀርያዊት አማሳ ፊርደኡስ ብሰንኪ አከዳድናኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ አቡጃ ፈተና ኣብ ዝወሃበሉ አዳራሽ እትያ ንከይትፍተን ተአጊዳ።

አማሳ "ሒጃበይ ካብ ዘውፅእ ኣብ ልዕሊኡ ሰብ-ሰራሕ ፀጉሪ (ዊግ) ክድርበሉ" ኢላ ሕቶ ክተቕርብ ከምዝፀንሐት መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ፀብፂበን።

ናይታ ምርቐቲ ሕቶ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ እቲ ዩኒቨርስቲ ዘውፀኦ ስርዓት አከዳድና ከም ምጥሓስ ተገይሩ እዩ ተቖፂሩ።

ንሳ ግና እቲ ስጉምቲ "ሰብኣዊ መሰለይ ዝጠሓሰ" ክትብል ነፂጋቶ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ልዑል ኣቓልቦ ረኺቡ መዘራራቢ ዛዕባ ኾይኑ ቐንዩ'ሎ።