ናብ ሪያድ ዝተወንጨፈ ሚሳይል፡ ምልክት መሳርሒ ኲናት ኢራን ኣለዎ

መራኸቢ ሖቲ ዘጋዉሖ ምስሊ ሚሳይል፡ 19 ታሕሳስ 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሖቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሚሳይል ከምዝተወንጨፈ ዝገልጽ ምስሊ ዕላዊ ገይሩ

ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሖቲ ናብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ ዘወንጨፍዎ ሚሳይል፡ መለለዪ ምልክታት መሳርሒ ኵናት ኢራን ዝሓዘ'ዩ ክብላ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ ተዛሪበን።

ኒኪ ሃለይ ከምዝበልኦ፡ ተግባር ኢራን ዓለም "ናብ ሰፊሕ ዞባዊ ኲናት" ከጥሕል ዝኽእል ዘስግእ ተግባር'ዩ።

እቲ ሚሳይል፡ ትማሊ ብስዑዲ ዓረብ ተወቒዑ ዝወደቐ እንትኾን፡ ብዛዕባ ዝበጽሐ ሓደጋ ዝተብሃለ ነገር የለን።

ኢራን፡ ኣንጻር መንግስቲ የመንን ስዑዲ ትመርሖ ጥምረትን ዝዋግኡ ሓይልታት ዓማጺ ጉጅለ ሖቲ ኣየዕጠቕኹን ኢላ'ያ ትገልፅ።

ቴሌቪዢን ሖቲ ኣል ማሲራሕ፡ ቡርካን ኤች-2 ዝተብሃለ ሚሳይል ቤተ መንግስቲ ሪያድ ንምጥቃዕ ዒላማ ገይሩ ከምዝተወንጨፈ ገሊጹ'ዩ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኒኪ ሃለይ ንዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፡ እቲ ሚሳይል ቅድም ክብል ዝፍጸሙ ዝነበሩ መጥቃዕታት ዝነበሮም ምልክት ዝሓዙ ኣጽዋር ከምዝነበሮ ተዛሪበን።

"መንግስቲ ኢራን ንዝፈጸሞ ገበንን መልእኽትና ክርድኦን፡ ሕዚ ዘድሊ ኹሉ ንምፍጻም ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና። እንተዘይኾይኑ፡ ኢራን ዓለም ናብ ኸቢድ ዞባዊ ጎንጺ ክትወስዳ'ያ" ኢለን።

Image copyright Almasirah
ናይ ምስሊ መግለጺ ምስሊ ቡርካን ኤች 2 ሚሳይል፡ 2017

ስዑዲ ዓረብ መጋቢት 2015፡ ኢራን ጉጅለ ሖቲ ትሕግዝ ኣላ ብዝብል፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ኲናት ኣትያ እያ።

ኢራን፡ ንቲ ጉጅለ ኣይሓገዝኹን እንትትብል፡ እቲ ሚሳይል ድማ "ዉልቃዊ ስጉምቲ'ዩ" ክትብል ንኽሲ ስዑዲ ዓረብ ምላሽ ሂባ'ያ።

ስዑዲ ዓረብ ትመርሖ ጥምረት ናብቲ ጎንጺ ካብ ዝኣቱ ናብዚ፡ ልዕሊ 8670 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ካልኦት 49,960 ከምዝቖሰሉን ጸብጻብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ የመን ዝካየድ ጎንጺ፡ 20.7 ሚሊዮን ሰባት ንህጹጽ ሓገዝ ምግቢ እንተቃልዕ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮ፡ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2219 ሰባት ዝቐተለ ቅልዉላዉ ፈጢሩ'ዩ።