ሓደ ወተሃደር ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ብምኽድዑ ናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ተተኲሱ

ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነ ኸባቢ ሰሜንን ደቡብነ ኮርያ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ናጻ ዝኾነ ኸባቢ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ

እቲ ወተሃደር ሰሜን ኮርያ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዝርከብ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝኾነ ዞባ ዳርጋ ስዓት 8 ናይ ንግሆ [ብናይ ኮርያ ኣቆጻጽራ] እዩ ሰጊሩ፡ ኢሎም ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ።

እዚ ሎሚ ዝሰለመ ወተሃደር ደሚርካ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣርባዕተ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ሰሊሞም።

ሚኒስቴር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ቅድሚ ገለ ሰዓታት ዝሰለመ ኣባሎም ዘናድዩ ዝነበሩ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ናብ ዶብ ገጾም ክጽግዑ ምስጀመሩ 20 ናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ከምዝተኮሱሎም ገሊጹ።

እቲ ዝሰለመ ወተሃደር ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ሴኡል ኣብ ቀይዲ ከምዝርከብን፡ ዕላማ መሰለሚኡ ድማ ይምርመር ከምዘሎን ተገሊጹ።

ኣዝዮም ውሑዳት ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ እዮም ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ነቲ ኣዝዩ ሓደጋኛ ዶብ ክሰግሩ ዝፍትኑ።

እቲ ነተን ክልተ ሃገራት ዝፈሊ ዶብ ኣብ ዓለም ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ ከባቢ ኢዩ።

ኣብቲ ከባቢ ክልቲኤን ኮርያ ብኣሿኽ ስልክን ኤሌትሪክን ናይ ሓለዋ ካሜራን ነተጉትን ዝደልደለ ዕርድታት ሃኒጸናሉ ይርከባ።