ሓዱሽ መራሒ ዉድብ ኤኤንሲ ብልሽዉና ንምቅላስ ተሓንዮም

ስሪል ራማፖሳ፡ ሓዱሽ መራሒ ዉድብ ኤኤንሲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ስሪል ራማፖሳ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ሃፋትም ፖለቲከኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ'ዮም

ሓድሽ መራሒ ዉድብ ኤኤንሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳ፡ ግዕዝይና (ብልሽውና) ብትሪ ብምቅላስ መሓዉራዊ ቑጠባዊ ስግግር ዘምጽእ ፖሊሲ ከምዝትግብሩ ተዛሪቦም።

ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ እቲ ዉድብ፡ ስእነት ስራሕን ድኽነትን ምቅላስ ቑልፊ ፖሊሲ እቲ ዉድብ ክኾኑ'ዮም ክብሉ ገሊጾም።

ብልሽዉና ድማ ህዝብን ቑጠባ ሃገርን ክሃሲ ምጽንሑ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ተግባር ዝጠሓሉ ዉልቀ ሰባትን ስድራን እታ ሃገር ብዘየላጢ እንቃለሰሉ ግዜ ሕዚ'ዩ ክብሉ'ዉን ተዛሪቦም።

ከም ሓድሽ መራሒ እቲ ዉድብ ድማ፡ እቲ ኣብ ምክፍፋል ዝርከብ ፓርትን ሕብረተሰብን ብሓባር ኣብ ጎኖም ጠጠዉ ክብል ሓቲቶም።