ሲረል ራማፎሳ መራሒ ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ

ሲረል ራማፎሳ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓዲሽ መራሒ ሰልፊ ኤኤንሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲረል ራማፎሳ

ሰልፊ ኤ ኤን ሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎሳ መሪጹ

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ኤ ኤን ሲ) ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሲሪል ራማፎሳ ንፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ተኪኡ ነቲ ሰልፊ ክመርሕ መሪጽዎ።

እቲ ተጠባባቒ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ራማፎሳ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ መስርሕ ምድማጽ'ዩ ንበዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዙማን ዝነበራ ኒኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ስዒሩዋ።

ድሕሪ'ዚ ዓወት፡ ራማፎሳ ኣብ 2019 ዝካየድ ምርጫ ፕረዚደንት ንክኸውን ኣብ ዝደልደለ ባይታ ረጊጹ'ሎ።

እቲ ቁርቁስ ንቦታ መሪሕነት ዓቢ ውሽጣዊ ምፍሕፋሕ ብምፍጣሩ እቲ ሰልፊ ቅድሚ'ቲ ናይ 2019 ሃገራዊ ምርጫ ከይመቓቐል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ዉሃቢ ቃል ኤ ኤን ሲ ከምዝበሎ፡ ሚስተር ራማፎሳ 2,440 ብ2,261 ድምጺ'ዩ ንድላሚኒ ዙማ ስዒሩ።

እቲ ውጽኢት ድማ ኣብ ተሳተፍቲ'ቲ ጉባኤን ጎደናታት ከተማ ጆሃንስበርግን ዓቢ ፈንጠዝያ ፈጢሩ።

ኣቐድም ኣቢለን ማዕከናት ዜና ከምዝዘገበኦ፡ እቲ ምንጋር ውጽኢት ምርጫ ድላሚኒ ዙማ ድማጺ ዳግማይ ይቆጸረለይ ብምባላ ተዳናጉዩ ነይሩ። መስርሕ ምድማጽ ብሰንበት'ዩ ጀሚሩ ነይሩ።

ፍልልይ ናይ ክንቲኦም ተወዳደርቲ እንታይ'ዩ ነይሩ?

እቲ ወዲ 65 ዓመት ራማፎሳ ኣንጻር መንግስታዊ ብልሽውና ኣትሪሩ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ድጋፍ ናይ ማሕበረ-ሰብ ንግዲ ኣለዎ።

ከም ተወዳዳራይ ኣንጻር-ዙማ፡ ብልሽውና ንምጥፋእ ድማ ቃል ኣትዩ። እቲ ዓወቱ ድማ ኤ ኤን ሲ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ሰሙናት ንፕረዚደንት ዙማ ካብ ፕረዚደንትነቱ ክትኣልዮ ትኽእል'ያ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ፕረሲደንት ዙማ ብብልሽውና፣ ምትላል፣ ራስያን ገንዘብ ብሕቡእ ብምትሕልላፍን ክኽሰስ ወሲኑ ነይሩ።

እታ ጓል 68 ዓመት ዝኾነት ድላሚኒ ዙማ ነቲ ዝጸንሐ ዕብለላ ዋኒናት ጸዓዱ ክትወቅስ ጸኒሓ፡ ነቲ ቀጻሊ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ዝበለቶ ክትብድህ ድማ ቃል ኣትያ ነይራ።

ፕረሲደንት ዙማ ነታ ናይ ቀደም በዓልቲ ቤቱ ይድግፍ ነይሩ ይብሉ ተንተንቲ።

እዚ ምርጫ ናይ ኤ ኤን ሲ፡ ህዝባዊ ድጋፍ እቲ ሰልፊ የንቆልቁለል ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ተኻይዱ። ርእይቶ ህዝቢ ግን ገና 50 ሚእታዊ ከምዘሎ የርኢ።

Image copyright EPA

ኤለክትሪካዊ ሃዋህዉ

ጸብጻብ፡ ብልእኽቲ ቢቢሲ ለቦ ዲሴኮ ካብ ጆሃንስበርግ

እቲ ኣብቲ ናይ መረጻ ቦታ ዝነበረ ሃዋህዉ ኤለክትሪካዊ ነይሩ ጥራይ ኢልካ ገሊጽካ ክትሓልፎ ምንኣስ'ዩ ክመስል። ሲሪል ራማፎሳ መራሒ ኤ ኤን ሲ ኮይኑ ተመሪጹ ተባሂሉ ምስተኣወጀ፡ እቲ ምድራፍ ጠርዚ በጺሑ።

ድላሚኒ ዙማ ናብ መድረኽ ደይባ ነቲ ብ200 ድምጺ ጥራይ ዝሰዓራ ራማፎሳ ምስ ሓቖፈቶ'ሞኸኣ ስምዒትካ ዝትንክፍ ሃዋህው'ዩ ተፈጢሩ።

ነቲ ሓዲሽ መራሒ ሰልፊ ግን ብዙሕ ስራሕ ይጽበዮ'ሎ። ራማፎሳ ነቲ ሰልፊ ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃውያ መረጽቲ'ውን ኤ ኤን ሲ ገና ነቲ ንሓርነቱ ዝተቓለሰትሉ ህዝቢ'ውን ከምትውክል ከእምኖም ኣለዎ።

ንፕረደንት ዙማ'ኸ እንታይ ይበዮ'ሎ?

ልኡኽ ቢቢሲ ኣንድሩ ሃርዲንግ ካብ ጆሃንስበርግ ከምዝጸብጸቦ፡ መጻኢ ፕረሲደንት ዙማ እንታይ ከምዝኸውን ፍሉጥ ኣይኮነን።

ብኽልሰ-ሓሳብ ክሳብ 2019 ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ኮይኑ ክጸንሕ ይኽእል'ዩ። በዚ ድማ ሚስተር ራማፎሳ ክገብሮ ንዝኽእል መናውራታት ክድርት ይኽል እዩ።

ራማፎሳ ግን ምእላይ ናይ ፕረዚደንት ዙማ "ከምዝጠልብ" ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ከምኡ እንተገይሩ ድማ፡ ነገራት ቀልጢፎም ክውጨፉ'ዮም፡ ፕረሲደንት ራማፎሳ (ፕረሲደንት ዙማ ኣልዩ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ) ድማ ንኹሎም መሻርኽቲ ፕረሲደንት ዙማ ካብ ቁልፊ ናይ ስልጣን ቦታታት ክኣልዮም እዩ።

ከም ኣብነት፡ ሓለፍቲ ናይቲ ሃገራዊ በዓል መዚ ምርመራን ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን በዓል መዚ ሓይሊ ኤለክትሪክን ፍሉይ ወቐሳታት ክወርዶም ጸኒሑ'ሎ።

ብመሰረት ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኤ ኤን ሲ ነቲ ከንቆልቁል ዝጸንሐ ደገፍ ህዝቢ ንምብርባር ኣብ ዝሓሸ ባይታ ረጊጹ ይርከብ፡ በዚ ድማ፡ ብመሪሕነት ራማፎሳ፡ ነቲ ኣብ 2019 ዝግበር ሃገራዊ መረጻ ክዕወት ትጽቢት ይግበር።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ሲረል ራማፎሳ መራሒ ሰልፊ ኤኤንሲ ደቡብ ኣፍሪቃ

ድሕረ-ባይታ ሲሪል ራማፎሳ ብሓጺሩ

- ኣብ 1952 ኣብ ጆሃንስበርግ እትርከብ ሶዌቶ ተወሊዱ።

- ኣንጻር ኣፓርታይድ (ዓሌታዊ ስርዓት ጸዓዱ) ይገብሮ ብዝነበረ ምንቅስቓሳት ኣብ 1974 1976 ተኣሲሩ።

- ኣብ 1982 ንሃገራዊ ሕብረት ሰራሕተኛታት ማዕድን መስሪቱ።

- ኣብ 1090 ኣቦ መንበር እታ ምፍታሕ ኔልሰን ማንደላ ዘዳለወት ሃገራዊት ኣዳላዊት ኮሚቴ ኮይኑ ተመሪጹ።

- ኣብ 1994 ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኣቦ መንበር ኮሚቴ ሕገ-መንግስቲ ኮይኑ።

- ኣብ 1997 ብምሉእ ጊዜኡ ናብ ንግዲ ዓለም ኣትዩ፣ ሓደ ካብ ዝሃብተሙ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ ኮይኑ።

- ድሕሪ'ቲ ኣብ ማሪካና ተባሂሉ ዝፍለጥ መዓደኒ ውርቂ ዘጋጠመ መቕተልቲ ብዙሓት ሰልፈኛታት፡ ኣባል ናይቲ ሎንሚን ተባሂሉ ዝተሰምየ ቦርድ ኮይኑ።

- ኣብ 2014 ተጠባባቒ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ።

- ኣብ 2017 መራሒ ሰልፊ ኤ ኤን ኮይኑ ተመሪጹ።