እየሩሳሌም፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ትራምፕ ነጺጉ

ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል'ያ ክትብል ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክተልዕ ይግባእ ዝብል ዉሳነ ኣሕሊፉ።

ምስ እስራኤል ታሪካዉን ናይ ቐረባን ምሕዝነት ዘለዋ ኢትዮጵያን ጎረቤት ሃገር ኤርትራን እቲ ኣፍልጦ ከምዘይቕበልኦ ድምጸን ሂበን።

እቲ ውሳነ፡ ብ 128 ሃገራት ዝጸደቐ እንትኾን፡ 35 ድምጸ ተኣቅቢቦ እንትህባ ካልኦት 9 ተቓዊመን እየን።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣፍልጦ ዝጻብኣ ሃገራት ኣሜሪካ ተቕርቦ ሓገዝ ክንኪ'የ ድሕሪ ምባሎም'ዩ ተወሲኑ።

ኣባላት እቲ ዉድብ ድምጺ ከመይ ሂቦም?

  • እተን ትሸዓተ፡ ዉሳነ እቲ ዉድብ ዝተቓወማ ሃገራት ኣሜሪካ፣ እስራኤል፣ ጓቲማላ፣ ሆንዱራስ፣ ማርሻል ኣይስላንድ፣ ሚክሮንሺያ፣ ናሩ፣ ፓሉን ቶጎን እየን።
  • ካብ ሞንጎ እተን 35 ድምጸ ተኣቅቦ ዝሃባ ሃገራት ሜክሲኮን ካናዳን ይርከባ
  • 21 ሃገራት ድማ ድምጺ ንምሃብ ኣይተረኸባን

እቲ ዉድብ ብመሰረት ሕቶ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝጸዉዖ ፍሉይ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምኹናን ኣካይድኦም ንዓሰርታት ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝቕልብ ክኸዉን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ፍልስጤምን እስራኤልን እንታይ ኢለን?

ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኒያሁ፡ ዉጽኢት እቲ ድምጺ ከምዝነጽግዎ ተዛሪቦም'ዮም፡ " ናይ ሓሶት ገዛ" ዝብል ኣጸዋዉዓ ንዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቓም።

"እስራኤል ንፍሉይ ቅዋም ፕረዚደንት ትራምፕ ተመስግን፡ ሓቂ ኣሚነን ኣብ ጎኒ ድምጸን ንእስራኤል ዝሃባ'ዉን ተመስግን" ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓመድ ዓባስ እቲ ድምጺ፡ "ንፍልስጤም ዓወት'ዩ" ክብሉ ገሊጸሞ።

ምላሽሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃኸ?

128 ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንእየሩሳሌም ዝሃበቶ ኣፍልጦ ልክዕ ኣይኾነን ኢሉ ንዝነጸገ ዉሳነ እቲ ዉድብ ብድምጸን ኣጽዲቐን'የን።ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ኣፍልጦ ከምዘይቕበልኦ ድምጸን ካብ መንጎ ዝሃባ ሃገራት እየን።