ውቁባት ምስልታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን

ሕሩያት ምስልታት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንንን እዚ ሰሙን እነሆ ናባኹም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ክዳን ሳንታ ክሎዝ ዝተኸደነ ሓደ ሽፈር፡ ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ባሕሪ ኣኳርየም፡ ንዓሳ እንትምግብ ዘርኢ ምስሊ። 19 ታሕሳስ, 2017. Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ክዳን ሳንታ ክሎዝ ዝተኸደነ ሓደ ሽፈር፡ ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ባሕሪ ኣኳርየም፡ ንዓሳ እንትምግብ ዘርኢ ምስሊ።
እግሮም ዝተቖረፁ ግብፃውያን ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ግብፂ ካይሮ ፈላማይ ግጥሞም ብምርኩስ ተሓጊዞም እንትፃወቱ ዘርኢ ምስሊ። 16 ታሕሳስ 2017 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እግሮም ዝተቖረፁ ግብፃውያን ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ግብፂ ካይሮ ፈላማይ ግጥሞም ብምርኩስ ተሓጊዞም እንትፃወቱ ዘርኢ ምስሊ። ሓደ መዓልቲ ውድድር ጉድኣት ኣካል ዓለም ሻምፒዮን ክኾኑ ድማ ይምነዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓሌት ማሳይ ዝኾነ ኬንያዊ መንእሰይ ካብ መንእሰይነት ናብ በፅሒ ንምስግጋር ድሕሪ ስነ ስርዓት ምኽንሻብ ተመላኺዑ ዘርኢ ምስሊ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓሌት ማሳይ ዝኾነ ኬንያዊ መንእሰይ ካብ መንእሰይነት ናብ በፅሒ ንምስግጋር ድሕሪ ስነ ስርዓት ምኽንሻብ ተመላኺዑ ዘርኢ ምስሊ።
ዓሌት ማሳይ ኬንያውያን መናእሰይ በረከት ንምርካብ ባህላዊ ክዳን ተኸዲኖም ዝጓዓዝሉ ባህላዊ ስነ-ስርዓት። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓሌት ማሳይ ኬንያውያን መናእሰይ በረከት ንምርካብ ባህላዊ ክዳን ተኸዲኖም ዝጓዓዝሉ ባህላዊ ስነ-ስርዓት።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ጆርጂያውያን ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ ቱኒዝ ቲያትር እንተርእያ፡15 ታሕሳስ 2017። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ጆርጂያውያን ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ ቱኒዝ ቲያትር እንተርእያ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከባ ጎራዙ ደቂ ኣንስትዮ ቮሊቮል እንትፃወታ ዘርኢ ምስሊ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 34 ሽሕ ስደተኛታት ዝርከቡ እንትኾኑ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ጥምየትን ኲናትን ዝተመዛበሉ እዮም። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከባ ጎራዙ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቮሊቮል እንትፃወታ ዘርኢ ምስሊ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 34 ሽሕ ስደተኛታት ዝርከቡ እንትኾኑ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ጥምየትን ኲናትን ዝተመዛበሉ እዮም።
ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ከተማ ቤንጋዚ ኣብ ዘርከብ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ወሲዶም ኣብ እዋን ምረቕኦም ወተሃደራዊ ምርኢታት እንተርእዩ ዝገልፅ ምስሊ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ከተማ ቤንጋዚ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ወሲዶም ኣብ እዋን ምረቕኦም ወተሃደራዊ ምርኢታት እንተርእዩ ዝገልፅ ምስሊ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ መሸጣ ትምባኾ ዝተዋፈረ ዚምባብያዊ፡ ዝደረቐ ትምባኾ ንምድላው፡ ቆፅሊ ቱንባኾ ቀንጢቡ ሒዙ ዘርእይ ምስሊ። ዚምባብዌ ተኽሊ ቱንባኾ ብምፍራይ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እንትትኸውን ካብ ዓለም ድማ ኣብ ሻድሻይ ብርኪ ትርከብ። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ መሸጣ ትምባኾ ዝተዋፈረ ዚምባብያዊ፡ ዝደረቐ ትምባኾ ንምድላው፡ ቆፅሊ ቱንባኾ ቀንጢቡ ሒዙ ዘርእይ ምስሊ። ዚምባብዌ ተኽሊ ቱንባኾ ብምፍራይ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እንትትኸውን፡ ካብ ዓለም ድማ ኣብ ሻድሻይ ብርኪ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ካብ ኣቦ ወንበርነት ውድብ ኤኤንሲ እንትወርዱ፡ ንመወዳእታ ግዜ እንትደርፉ ዘርኢ ምስሊ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ካብ ኣቦ ወንበርነት ውድብ ኤኤንሲ እንትወርዱ፡ ንመወዳእታ ግዜ እንትደርፉ ዘርኢ ምስሊ።
ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት፡ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ናይጄርያ ሌጎስ ብምኽንያት በዓል ልደት ብኸምዚ መልኪዖም ነይሮም፡ 18 ታሕሳስ 2017. Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት፡ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ናይጄርያ ሌጎስ ብምኽንያት በዓል ልደት ብኸምዚ መልኪዖም ነይሮም።

እዞም ብሉፃት ስእልታት ካብ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤን ሮይተርስን ዝተረኸቡ እዮም።