ግምት ፕሪሚየር ሊግ ፡ ግምት ላዉሮ ኣብ ጸወታታት እዚ ሰሙን
ስዋንሲ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ጸወታታት 4ተ ነጥቢ'ያ ረኺባ።
ደረጅኣ ኣብ ምምሕያሽ ካብ ትርከብ ክሪስታል ፓላስ ዝገጥማ ፈተና ክትሰግሮ'ዶ? ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላዉረንሰን እቲ ጸወታ ክሪስታል ፓላስ 2-0 ክትረትዕ እያ ክብል ግምቱ የቐምጥ።
ግምት ሰሙናዊ ጸወታ ፕሪመርሊግ ኢንግሊዝ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ይመስል።
ግምት ላዉሮ
ዓርቢ፡
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
አርሰናል ምስ ሊቨርፑል
እዘን ጋንታታት ኣብ ዝተራኸባሎም ሕሉፍ ኣርባዕተ ግጥማት ነንሕድሕደን ብርክት ዝበሉ ሸቶታት ኣቑጺረን'የን።
እዚ ጸወታ'ዉን ካብዚ ኣይፍለን። ከምቶም ካልኦት ዓበይቲ ግጥማት፡ ዉጽኢት እዘን ጋንታታት ማዕረ ክኸዉን'ዩ ኢለ'ኳ እንተገመትኹ ሸቶታት ክቑጸሩ'ዮም ኢለ ይኣምን።
ግምት ላዉሮ፡ 2ን2
ቐዳም
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ኤቨርተን ምስ ቼልሲ
ኤቨርተን ምስ ቼልሲ
ኣብ ትሕቲ ሳም ኣላርዳይስ ዘላ ኤቨርተን፡ ምምሕያሽ ተርኢ ዘላ ኾይና፡ እዚ ጸወታ ግና ክፍትና'ዩ። ብዘይ ኣጥቃዒ ኣልቫሮ ሞራታ ትጻወት ቸልሲ፡ ሐዚ'ዉን ከቢድ ግጥም ክገጥማ'ዩ።
ግምት ላዉሮ፡ 0-2
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ብራይተን ምስ ዋትፎርድ
ብራይተን ምስ ዋትፎርድ
ዋትፎርድ ጽቡቕ ጅማሮ'ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብ ሕሉፍ 5ተ ጸወታታት ሓደ ነጥቢ ጥራሕ'ያ ረኺባ። ብራይተን ካብ ዋትፎርድ ብኣርባዕተ ነጥቢ ትሕት ኢላ ትርከብ ኮይና እዚ ጸወታ ክትስዕር'ያ ኢለ ይሓስብ።
ግምት ላዉሮ፡ 2-0
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ማንቸስተር ሲቲ ምስ በርንማውዝ
ማንቸስተር ሲቲ ምስ በርንማውዝ
በርንማዉዝ ኣብ ጽዋዕ ካራባኦ ብስሕተት ተኸላኸልቲ፡ ኣብ ዝተወደአ ሰዓት ብዝተቖጸራ ሸቶ ዝተስዓረት ኾይና ንሲቲ ክትጻወራ'ያ ኢለ ኣይኣምንን።
ሲቲ ኣብ ቅነ በዓል ልደት ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ነጥቢ ትድርቢ ኣይመስለንን።
ግምት ላዉሮ፡ 3-0
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ሳውዝሃምፕተን ምስ ሃደርስፊልድ
ሳውዝሃምፕተን ከ ሃደርስፊልድ
ሃደርልስፊልድ ኣብዚ ቅነ፡ ሰለስተ ነጥቢ ትረክብ ኣይመስለንን።
ካብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ግና ነጥቢ ሒዛ ትምለስ'ያ።
ሳዉዝኣምፕተን ካብ 9 ግጥማት ሓደ ጥራሕ'ያ ክትስዕር ዝኸኣለት።
ግምት ላዉሮ፡ 1-1
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ስቶክ ምስ ዌስት ብሮም
ስቶክ ምስ ዌስት ብሮም
እዘን ክልተ ጋንታታት፡ ሰዓራይ ንምኻን ኣብ ዓሚቕ ድሌት'የን ዘለዋ።
እዚ ጸወታ ማዕረ 1-1 ዝዛዘም እንትኾን፡ ብሉጽ ጸወታ ክኸዉን'ዩ አለ ኣይሓስብን።
ግምት ላዉሮ፡ 1-1
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ስዋንሲ ምስ ክሪስታል ፓላስ
ስዋንሲ ምስ ክሪስታል ፓላስ
ስዋንሲ ብተኸታታሊ ኣሰልጠንቲ ትቐያይር ኣላ።
ስዋንሲ፡ ጽቡቕ ምምሕዳር'ኳ እንተሃልዋ፡ ሐዚ ግና እዚ ዝገልጽ ነገር ኣይርአን።
ግምት ላዉሮ፡ 1-2
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ዌስት ሃም ምስ ኒውካስትል
ዌስት ሃም ምስ ኒውካስትል
ዓርሰን የመሓይሻ ካብ ሞንጎ ዘለዋ ጋንታታት ዌስትሃም ሓንቲ'ያ።
ኣብዚ ጸወታ ግና ክትጥንቀቕ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ኒዉ ካስትል ኣብ ሕማቕ ግዜ እያ ትርከብ።
ዴቪድ ሞየስ፡ ዝሰኣንዎ ዓርሰ ምትእምማን ሕዚ መሊሶም ይረኽቡዎ ዘለዉ ይመስል።
ኒዉካስትል ደማ፡ ተጻዋቲ ቼልሲ ኬኔዲ ብልቓሕ ብምዉሳድ ዓርሳ ተጠናኽር ኣላ።
ግምት ላዉሮ፡ 2-0
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
በርንሌይ ምስ ቶተንሃም
በርንሌይ ምስ ቶተንሃም
ቶተንሃም ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብማንችስተር ተረቲዓ'ያ።
በርንሌይ ጽቡቕ ግዜ ተሕልፍ ኣላ።
ግምት ላዉሮ፡ 0-2
ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ሌስተር ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ
ሌስተር ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ
ማንችስተር ዩናይትድ፡ ኣብ ጽዋዕ ካራባኦ እንትትርታዕ እዚ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዘልዓለቶ ጽዋዕ ኮሚኒቲ ሽልድ፣ ሊግ ካፕን ዩሮፓ ሊግን ከምዘይተልዕል ዘረጋገጸ ነይሩ።
እቲ ፕሪሚየርሊግ ኾነ ሻምፒዮንስ ሊግ'ዉን ክትረትዕ'ያ ኢለ ኣይሓስብን።
እዚ ድማ ጽዕንቶ ከሕድረላ'ዩ። ኣብ ጽዋዕ ካራባኦ ዝተስዓረት ሲቲ፡ ሌስተር ንሞኒንሆ ዓባይ ፈተና ከምትኾኖ ይግምት።
ግምት ላዉሮ፡ 0-2