ኦሮሚያ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ክህልዋ ብዛዕባ ዝግባእ ረብሓ ንምዝታይ ዝተጸዉዐ ኣኼባ ተበቲኑ

ኣዲስ አበባ Image copyright Getty Images

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይተ አረጋ ሱፋ ንቢቢሲ ከምዝበሉዎ፥ ኦሮሚያ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝርከቡ ኣባላት ፓርላማን ካልኦት እቲ ጉዳይ ይጥምተና'ዩ ዝብሉ ኣካላትን ብዘልዓልዎ ተቓዉሞ'ዩ እቲ ኣኼባ ክብተን ዝኸኣለ።

ጉዳይ እዚ ፍሉይ ረብሓ፡ ኣብ ረቒቕ ኣዋጅ 2009 ናብቲ ባይቶ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ በዓል ዋና እቲ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ ብሰፊሑ ከምዝዝተየሉ ዘመላኽት ኣንፈት ተቐሚጡ ነይሩ ይብሉ።

ተሳተፍቲ ብመሰረት ዝሓተትዎ ሕቶ ግና እቲ ጉዳይ ናብ ኻልእ እዋን ክመሓላለፍ ከምዝተገበረ ድማ ሓቢሮም።

"ህዝብና ተመዛቢሉ'ዩ"፤ "ሰባት ብጥምየት ይጽገሙ'ዮም ዘለዉ" ፤ "ካልኦት ድማ ይሞቱ ኣለዉ" ዝብሉ ካብ ሞንጎ እቶም ተሳተፍቲ ዘልዓሉዎም ሕቶታት'ዮም።

እዚ ጉዳይ ንምምራሕ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን፡ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣብቲ ዝተናዉሐ ኣኼባ እንትርከቡ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ወኪሉ ዝተረኸበ በዓል ስልጣን ግና ኣይነበረን።

ኣብ ጨለንቆ ብዛዕባ ዝተቐተሉ ዜጋታት ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ይረአ ዘሎ ጸገም ሰላም ዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ መብርሂ ክህቡ እንትሕተቱ፡ እቲ ባይቶ ኣብ ስራሕ ኣይነበረን ዝብሉ ኣይተ ኣረጋ፡ እቲ ጻዉዒት ዘተ ከምዝተረፈ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ምስምዖም ይዛረቡ።

"ዝተረፈሉ ምኽንያት ድማ" ይብሉ ካሊእ ኣባል እቲ ባይቶ ኣይተ አቶ አንደርሰን መገርሳ ህዘቢ ቐዲሙ ኣብቲ ጉዳይ ስለዘይዘተየን፡ ሐዚ ካብኡ ንላዕሊ ዘተሓሳስቡን ክዝተየሎም ዝግባእ ጉዳያት ስለዘለዉን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኦሮሚያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ "ፍሉይ ረብሓ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ እቲ ክልል ቐዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ኣይኮነን" ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ድረ ገጽ ፌስቡክ ኣስፊሮም ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት