ጓቲማላ ኤምባሲኣ ናብ እዮሩሳሌም ክተግዕዝ እያ

እዮሩሳሌም Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሜሪካ ንእዮሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራል ኣፍልጦ ትህብ

ፕረዚደንት ጓቲማላ ጂሚ ሞራለስ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሮም ናብ እየሩሳሌም ክዛወር ኣዚዞም።

ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገጽ ፌስቡክ ከምዝጸሓፉዎ፡ ነዚ ዉሳነ ንምሕላፍ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ከምዝዝተዩ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቕነ፡ ጓቲማላ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስታት ኣሜሪካን እስራኤልን ብምድጋፍ ንኣፍልጦ ኢዮሩሳለም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ዝደገፋ ትሸዓተ ሃገራት'ያ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ንኢዮሩሳለም ንዝሃበቶ ኣፍልጦ ዘይድግፋ ሃገራት ካብ ኣሜሪካ ንዝረኽብኦ ዝነበራ ሓገዝ ከምዘቋርጹ ሓቢሮም እዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣሜሪካ፡ ንጓቲማላ ሓገዝ እትህብ ወሳኒት ሃገር'ያ።

ትማሊ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ሞራለስ፡ ጓቲማላ ንነዊሕ ዓመታት መሓዛ እስራኤል ከምዝነበረት ብምግላጽ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ንምዝዋር ኣድላዪ ቅድመ ምድላዉ ክግበር ንሓለፍቲ ስራሕ መንግስቶም ከምዝኣዘዙ ተዛሪቦም።

ጉዳይ እዮሩሳሌም፡ ምኽንያት ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ምኻኑ ዝፈለጥ እዩ።

ኣብ 1967 እስራኤል ምስ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ዝኣተወቶ ኲናት ምብራቓዊ ኢዮሩሳለም ብዮርዳኖስ ተታሒዛ ነይራ።

ፍልስጤም፡ ንምብራቕ እዮሩሳሌም ከም መጻኢት ርእሰ ከተምኣ ገይራ እያ ትሓስባ።

እስራኤል፡ እዮሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ንምግባር ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ስለዘይተዉሃባ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤምባሲታቶም ኣብ ቴል-ኣቪቭ' እዩ ዝርከቡ።