ድሕሪ እስላማዊ መንግስቲ፡ ዒራቕ ኣብ ሞሱል በዓል ልደት ኣኽቢራ

ቐሻዉስቲ፡ ኣብ ቕዳሴ ልደት፡ ከተማ ሞሱል፡ 24 ታሕሳስ 2017 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዉሽጢ ብዙሓት ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ በዓል ልደት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳዉሎስ ተኸቢሩ

እስላማዊ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢራቕ ካብ ከተማ ሞሱል ተጸራሪጉ ካብ ዝወጽእ ናብዚ፡ ንፈለማ እዋን ኣብታ ከተማ ስርዓተ ጸሎት በዓል ልደት ተፈጺሙ።

እቲ ጉጅለ እታ ከተማ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ምኽባር ኾነ ምድላዋት ምክያድ ንህይወት ዘስግእን ከቢድን'ዩ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ሞሱል ኣብ ዝነበረሉ አዋን ሰዓብቲ ክርስትና ዝኾኑ ሃይማኖቶም ክቕይሩ፣ ግብሪ ክኸፍሉ፡ እንተዘይኾይኑ ግና ቕጽዓት ሞት ክጽበዮም ከምዝኽእል ድሕሪ ምእዋጁ፡ ብዙሓት ክርስቲያን እታ ከተማ ገዲፎም ወጺኦም'ዮም።

ወተሃደራት ዒራቕ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እስላማዊ ኣሸባሪ ጉጅለ ስዒሮሞ'ዮም።

ኣብዚ ወርሒ ቐዳማይ ሚኒስትር ዒራቕ ሃይደር ኣልኣባዲ፡ እስላማዊ ኣሸባሪ ጉጅለ ካብታ ሃገር ንምጥፋእ ዝተኻየደ ሃገራዊ ልኡኽ ሰለስተ ኣዋርህ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣዊጆም'ዮም።

ፓትሪያርክ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሉዊስ ሩፋኤል ሳኮ፡ ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣብ ዓለም፣ ሙሱልን ዒራቕን ሰላምን ምርግጋእን ክዓስል ክጽልዩ ኣተሓሳሲቦም።

እስላማዊ ኣሸባሪ ጉጅለ (እስላመዊ መንግስቲ) ሞሱል ኣብ 2014 ቅድሚ ምቁጽጻሩ፡ ኣብታ ከተማ 35 ሽሕ ሰዓብቲ ክርስትና እምነት ነይሮም።