ግምታት ቦክሲንግ ደይ ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ

ቶቶንሃም ምስ ሳዉዝኣምፕተን Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ቶቶንሃም ምስ ሳዉዝኣምፕተን

አለን ፓርዲው ኣሰልጣኒ ዌስትብሮም ካብ ዝኾኑ ናብዚ ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ይቃለሱ'ዮም ዘለዉ። ኣብ ቦክሲንግ ደይ ናብ ቅድሚት ትመፅእ ምስ ዘላ ኤቨርተን ገጋንተኦም ክትገጥም'ያ።

ግምት ላዉሮ፡ ናይዚኦምን ካልኦት ግጥማትን 'ቦክሲንግ ደይ' እነሆ።

'ቦክሲንግ ደይ'

ሰሉስ

ቶተንሃም ምስ ሳውዝሃምፕተን

ሳውዝሃምፕተን ኣብ ሕሉፍ 10 ግጥማት፡ ሓደ ግዜ ጥራሕ'ያ ስዒራ።

እዚ ድማ ንኣሰልጣኒ፡ ሞሪሲዮ ፔሌግሪኖ ጥዑም ወረ ኣይኾነን።

ናብ ዌምብሌይ ትጉዓዝ ሳውዝሃምፕተን ዓወት ክቀንዓ'ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ብኣንጻሩ ኣወት ምስ በርንሌይ ኣብ ዝነበረ ጸወታ ጽቡቅ ብቕኣት ንዘርኣየት ቶተንሃም ከምዝኸዉን እኣምን።

ግምት ላውሮ ፡ 2 - 0

ርንማውዝ ምስ ዌስትሃም

በርንማውዝ ካብ ዝሓለፉ ሸዉኣተ ጸወታታት፡ ሓደ'ዉን ኣይቐንዓን።

አሰልጣኒ ኒኤዲ ሃዊም ብዘይ ዝኾነ ጽዕንቶ ክቕጽሉ ምኽኣሎም የግርመለይ ኣሎ።

ዌስትሃም ካብ በርንማውዝ ብሓደ ደረጃ ልዕል ኢላ፡ ኣብ መበል 17 ትርከብ።

ዌስትሃም ኣብቲ ዝሓለፈ ጸወታ፡ ኣብ ሜዳኣ ብኒዉካስትል ምስዓራ ኣግሪሙለይ'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 1 - 1

ቼልሲ ምስ ብራይተን

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ቼልሲ ምስ ብራይተን

ብራይተን ሸዉዓተ ግጥማት ብዘይ ሰለስተ ነጥቢ ተጉዒዛ'ያ።

ሕዚ፡ ናብ ስታንፎርድ ብሪጅ ኸይዳ ምስ ቸልሲ ክትገጥም'ያ።

ክቐንዓ'ዩ ዝብል ግምት ግና የብለይን።

ቼልሲ ምስ ኤቨርተን ኣብ ዝነበራ ጸወታ ተኸላኻሊ ኤቨርተን ጥሒስኻ ምሕላፍ ኣብዩዋ ነይሩ።

ምስ ብራይተን ግና ተመሳሳሊ ዕድል ክህሉ'ዩ ኣይብልን።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 0

ሃደርስፊልድ ምስ ስቶክ

ሃደርስፊልድ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ግጥማት፡ ሸዉኣተ ነጥቢ ብምርካብ ተላዒላ'ያ።

ስቶክ ሲቲ'ዉን ወሰንቲ ዝበሃላ ሰለስተ ነጥብታት ኣዋህሊላ።

ንሃደርስፊልድ ኾነ ስቶክ ሓደ ነጥቢ እኹል'ዩ ኢለ ይግምት።

ግምት ላውሮ ፡ 1 - 1

ማንችስተር ዩናይትድ ምስ በርንሌይ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ በርንሌይ

በርንሌይ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝነበራ ጸወታ፡ ከምዘይትስዕር ገሚተ ነይረ፡ ምክንያቱ ቶተንሃም በርቲዓ ክትቐርብ'ያ ዝብል እምነት ነይሩኒ።

ምስ ሌይስተር ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ማዕረ ዝወፀት ዩናይት ኣብዚ ጸወታ ዝረኸበቶ ነኳል ተጠቒማ፡ ሰለስተ ነጥቢ ከምትረክብ ይኣምን።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 0

ዋትፎርድ ምስ ሌይስተር

ዋትፎርድ ሐዚ'ዉን ናብ ዝሓሸ ቑመና ክትመጽእ ኣይኽኣለትን።

ኣብ ዝሓለፈ ብብራይተን ተረቲዓ'ያ። ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ግጥማት'ዉን እንተኾነ ሓደ ነጥቢ ጥራሕ'ያ ምርካብ ክኢላ።

ሌይስተር ድማ፡ ምስ ማንችስተር ነጥቢ ክትማቐል ኽኢላ'ያ።

ግምት ላውሮ፡ 1 - 2

ዌስትብሮም ምስ ኤቨርተን

አላርዳይስ ዘለዎ ብቕዓት ኣብ ኤቨርተን የርእና ኣሎ፤ እዚ ድማ እቲ ጋንታ ንምሰዕኣር ከቢድ ይገብሮ።

አለን ፓርዲው ኣሰልጣኒ ዌስትብሮም ካብ ዝኾኑ ናብዚ ሰለስተ ነጥቢ ክረኽቡ ላሕ ይብሉ ኣለዉ። ዌስትብሮም፡ ሕዚ ኣወት ክቐንኣ'ዩ ኢለ ይግምት።

ግምት ላውሮ፡ 1 - 0

ሊቨርፑል ምስ ስዋንሲ

Image copyright BBC Sport

ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ስዋንሲ ሸቶ ከምተቑጽር ኣይጠራጠርን። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ቐጻሊ ምስ ሌይስተር ዝህልዋ ጸወታ ክብሉ ግና ዩርገን ክሎፕ ዝተወሰኑ ተጻወቶም ከየዕርፉዎም ይሰግእ።

ክሎፕ እዚ እንተገይሮም፡ በባዕሎም ጸገም ጸዊዖም ማለት'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 3 - 0

'ቦክሲንግ ደይ' ረቡዕ ቐጺሉ

ኒውካስትል ምስ ማንቸስተር ሲቲ

Image copyright BBC Sport

ቤኔቴዝ ነዚ ጸወታ ዓብዪ ትኩረት ብምሃብ፡ ተጻወቲ ጠንኪሮም ክስለፉ ከምዝገብሩ ይኣምን።

ኸኾእኑ'ዉን ግና፡ ሲቲ ሐዚ ብዘለዋ ቑመና ኒውካስትል ክሳኽዐላ'ዩ ዝብል ግምት የብለይን።

ግምት ላውሮ፡ 0 - 2

ክሪስታል ፓላስ ምስ አርሴናል

Image copyright BBC Sport

አርሴናል ስሩዕ ቅዋም ዝሰኣነት ኾይና ኣላ። ኣነ እቲ ጸወታ ማዕረ'ዩ ክዛዘም ዝብል ግምት ኣለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 1 -1