ኲናት ሶርያ፡ ሰባት ካብ ክርድንቲ ጎታ ምግዓዝ ተጀሚሩ

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዉጹዓት ሰባት የግዕዝ ኣሎ Image copyright ICRC
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምቡላንስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብ ክርድንቲ ጎታ ሰባት ተግዕዝ ኣላ

"ኣዝዮም ውጹዓት" ዝኾኑ ሕሙማት ካብ ምብራቓዊ ጎታ ሶርያ ናብታ ርእሰ-ከተማ ይግዕዙ ከምዘለዉ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ባሻር ኣልዓሳድ ሸውዓተ ሕሙማት መንሽሮ ዝኾኑ ቆልዑ ካብቲ ቦታ ንኽወጹ ከምዝደሊ ሓንቲ ለጋሲት ማሕበር ብሪጣኒያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢራ ነይራ።

እቲ ቦታ ንኣርባዕተ ዓመት ዝኣክል ብሰራዊት መንግስቲ ተኸርዲኑ'ዩ ዘሎ።

እቶም ቆልዑ ክፋል ናይ ልዕሊ 130 ዝኾኑ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም'ዮም።

ኣስታት 12 ሚእታዊት ቆልዑ ናይታ 400,000 ነበርቲ ዘለውዋ ጎታ ብጥሜት ዝማሰኑ ምዃኖም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ስእልታት ናይተን ከጋዓዕዛ ዝመጻ መካይን ሰሉስ ምሸት ኣውጺኡ። ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ካብቲ ቦታ ከምዝግዕዙ ግን ኣይሓበረን።

ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ዓረብ ሶርያ ግን ስእልታት ብርክት ዝበሉ ብኣዴታቶም ዝተሰነዩ ቆልዑ ኣውጺኡ፡ ናብ ደማስቆስ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ከምዝዉሰዱ ሓቢሩ።

ኣማኻሪ ናይ ሕብረት ውድባት ለገስቲ ሕክምናዊ ረዲኤት ዝኾነ ሓሚሽ ደ ብረተን-ጎርደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ውልቃዊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዓሳድ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቶም ብመንሽሮ ዝሳቐዩ ዘለዉ ቆልዑ ናይ ምግዓዝ ጉዳይ ክሓስበሉ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

"ፕረዚደንት ዓሳድ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ይሓስብ ከምዘሎ ፈሊጥና'ሎና፡ ብዛዕብኡ ብቐጥታ ከነዘራርቦ ድማ ሰሉስ ንግሆ ክንድውለሉ ኢና" ኢሉ ጎርደን።

"መደብና ክንጅምር እንተድኣ ኣፍቂዱልና ድማ፡ ብቕልጡፍ ናብ ጎታ ኬድና ነቶም ቆልዑ ከነውጽኦም ኢና" ኢሉ ንሱ።

እቲ ለጋሲ ማሕበር ኣብ ምብራቓዊ ጎታ'ዩ ዝነጥፍ። መንግስቲ ሶርያ ግን ብዛዕባ'ዚ ድሒሩ ዝሰዓበ ምዕባለታት ርእይቶኡ ኣይሃበን ዘሎ።

ህይወት ኣብ ምብራቓዊ ጎታ "ኣይተኻእለን"፡ እቲ ኩነታት ድማ "ሓደገኛ" ኮይኑ ከምዘሎ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣቐድም ኣቢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰሙናት ዝኣክል ብዛዕባ'ቲ ምግዓዝ ክጽዕር ጸኒሑ'ሎ።

ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ሰራዊት መንግስቲ ብዘካየዶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዝሞቱ ይንገር፡ ሕጽረት መግቢ ድማ ምምሳን ናይ ቆልቑ ኣስዒቡ'ሎ።

እቲ ቦታ በተን ቀንዲ ደገፍቲ መንግስቲ ሶርያ ዝኾና ሩስያን ኢራንን፡ ደጋፊት ተቓወምቲ መንግቲ ብዝኾነት ቱርኪን "ካብ ኲናት ሕሩም ዞባ" ተሰይሙ ጸኒሑ'ሎ።

ምግዓዝ ዝተወጽዑ ሰባት ካብቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ክፋል ርእሰ-ከተማ ደማስቆስ ናይ ሶርያ ከምዘተጀመረ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።