ፍርሒ ሽበራ፡ ጠንቂ ምክልባት ቱኒዛውያን ገያሾ ምዃኑ መንገዲ ኣየር ኢሚሬትስ ኣፍሊጡ

ዝተኸላበታ ተጓዝቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሸጢ ትኬት መንገዲ ኣየር ኤሚረትስ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፓስፖርት ቱኒዝያ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ነፋሪት ከየስቅላ ተኸልኪለን።

ብመንገዲ ኣየር ዩናይትድ ዓረብ ኤሚሬቲስ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመ ምክልባት ብሰንኪ ስግኣት ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ቱኒዝያ ገሊጻ።

ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ብመንገዲ ኣየር ኤሚሬትስ ኣቢለን ናብ ዩናይትድ ዓረብ ኤሚሬትስ ከይጓዓዛ ተኸልኪለን እየን።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ቱኒዝያ፡ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኤሚሬትስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቱኒዝ ንኸይዓርፋ ከልኪላ ጸኒሓ።

ኣባላት ድሕነት ዩናይትድ ዓረብ ኤሚሬትስ፡ ናይ ቱኒዝያ ፓስፖርት ብዝሓዘት ጓል ኣንስተይቲ '' ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ንጹር ድሕንነታዊ ሓበሬታ'' በጺሕዎም'ዩ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ቱኒዝያ ገሊጹ።

ወሃቢት ቃል ፕሬዚደንት ቱኒዝያ ሰዓዳ ጋራች ብወገና መንገዲ ኣየር ኤሚሬትስ ቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ከየጎዓዕዝ 'ንጹር መምርሒ' ከምዝተቐበለ ሓቢራ።

እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ካብ ሶርያ ወይ እውን ዒራቕ ዝምለሱ ገለ ሰባት '' ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ቱኒዛዊት ወይ ከኣ ፓስፖርት ቱኒዝያ ዝሓዘት ጓል ኣንስተይቲ ክጥቀሙ ሃቂኖም ምንባሮም'' እታ ወሃቢት ቃል ኣዘኻኺራ።

ዋላ እኳ መንግስቲ ቱኒዝያ ጭንቀት መንገዲ ኣየር ኤሚሬትስ ዝራዳእ እንተኾነ ከም ሳዕቤኑ ንቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘተኣናገደሉ መንገዲ ግና ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ክትብል እውን ወሲኻ ገሊጻ።

ፕሬዚደንት ቤጂ ከኢድ ኢሰብሲ ብወገኑ፡ ዝድላዩ ምኽኒት ይቕረብ ድኣ'ምበር መሰል ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዛውያን ክግሃስ የብሉን ይብል።

ዩናይትድ ዓረብ ኤሚሬትስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ሓበሬታ እንከይገለጸት ብሰንኪ እቲ ዝተረኸበ ድሕንነታዊ ሓበሬታ ግና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመ ምክልባት ከጓንፍ ምኽኣሉ ኣፍሊጣ።

ተጓዓዝቲ ቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ግና ናብ መንገዲ ኣየር ኤሚሬትስ ከየስቅላ ዝተኣገዳሉ ምኽንያት ዋላ ሓንቲ ከምዘይተነግረን ገሊጸን ኣለዋ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት፡ ሰብ መዚ ቱኒዝያ ንተጓዓዝቲ ቱኒዛውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ክገብሩ ምተገብአ ነይሩ ክብል ድማ መንግስቲ ቱኒዝያ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ምክልባት መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኤሚሬትስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቱኒዝ ንኸይዓርፋ ከልኪሉ እዩ።

እቲ ክልከላ ክሳብ ርጡብ ፍታሕ ዝርከብ ክጸንሕ ከምዝኽእል ድማ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ቱኒዝያ ሓቢሩ ኣሎ።