ዘይተዘርበሎም፡ ፈጠርቲ ጽልዋ 2017

ሓቂ ንምዝራብ: ገፅ እዞም ሰባት ክሕድሸኩም እዩ:: ግን ግዲ የብልኩምን: ፈጠርቲ ጽልዋ 2017 ስለዝኾኑ ተላለይዎም።

Image copyright Facebook/Dallas Zoo/@byHeatherLong/Reuters

ብዙሕ ዘይፍለጡ ግን ድማ ኣብ 2017 ጽልዋ ፈጠርቲ ምስዝኾኑ ሰባት ተፋለጡ።

እዞም ሰባት እዚኦም ጥራሕ ኣይኮኑን ኣብ 2017 ፍሉይ ነገር ሰሪሖም። እንታይ ድኣ፥ ብዘስርሑዎ ዝገርም ነገር ንሕና ዝሓረናዮም እዮም።

ታራና ቡሩኬ- ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ጎስጓስ 'ሚ ቱ' ዝነበረት ብርትዕቲ ጓል ኣስተይቲ

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 15 ከያኒት ኣሊይሳ ሚላኖ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት 'ሚ ቱ' (#MeToo) ዝብል ጎስጓስ ከፊታ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘጋጠመን ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓሳብ ከካፍላን ክመሃሃራን ዘተባበዐት'ያ።

እዚ ጎስጓስ ዝተጀመረ ግን ድሕሪ ክሴታ ፍሉጥ ኣሰናዳኢ ፊልሚ፡ ሃርቨይ ዊኒስተን እዩ።

ይኹን እምበር እዚ 'ኣነ እውን' ዝብል ትርጉም ዘለዎ ጎስጓስ ቅድሚ 10 ዓመታት ብታራና ቡሩኬ ተጀሚሩ ነይሩ እዩ።

ካሊእ ተሪፉ ምልክት ሃሽታግ #ኣዕርዩ ኣብ ዘይተፈለጠሉ እዩ እቲ ጎስጓስ ብታራና ተጀሚሩ።

ታራና ነዚ ምንቅስቓስ ኣብ 2006 ዝጀመረቶ፡ ጾታዊ ግህሰት ዘጓነፈን ብፍላይ ካብ ብትሑት መነባብሮ ዝናበሩ ስድራ ዝተረኸባ ኣዋልድ እቲ ዘጋጠመን ብኸመይ ክሰግረኦ ከምዘለዎን ንምሕጋዝ ዓሊማ እያ።

'ድምጽና ዓው ኣቢልና ክነስምዕ ኢና'

ብታራና ብሩኬ ዝተጀመረ ጎስጓስ 'ሚ ቱ' ብ ፍሉጥ መጽሄት ታይም ኣፍልጦ ረኺቡ፥ ንሳ ድማ ብልጽቲ እዚ ዓመት ተባሂላ ተመሪጻ ኣላ።

ታራና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል 'እዚ ምንቅስቓስ ዘላቕነት ክህልዎ እምበር ተጀሚሩ ደው ዝብል ከይኸውን እዩ ዕላማይ' ክትብል ገሊጻ።

'ድምጽና ዓው ኣቢልና ክነስምዕ ኢና፣ ዘጓንፉና ዛንታታት ምዝራብና ክንቅጽል ኢና' እትብል ታራና ብሩኬ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ደው ክሳብ ዝብል ብዕቱብ ከምእትሰርሕ ገሊጻ።

ጆናታን ስሚዝ- ኣብ ተኹ ላስቬጋስ ህይወት 30 ሰባት ዘድሓነ መንእሰይ

ጆናታን ስሚዝ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ምርኢት ሙዚቃ ላስቬጋስ ብዝተኸፈተ መጥቓዕቲ ህይወት ሰባት ካብ ቅትለት ከድሕን ክብል ኣብ ክሳዱ ብሽጉጥ ተወቒዑ።

እታ ኣብ ክሳዱ ዝኣተወት ጥይት ክሳብ ድሕሪ ወርሒ እውን ነይራ።

Image copyright @byHeatherLong/Twitter

ጆናታን ድሕሪት በሪ መኪና ፈንጺሑ ብምውጻእ ኣብ ጽዑጽዕ ተኹሲ ናይ ዝነበራ ክልተ ኣዋልድ ከድሕን ክብል ክሳብ ደሓር ኣብ ክሳዱ ዝውቃዕ ህይወት ናይ ኣስታት 30 ሰባት ኣድሒኑ እዩ።

ኣሜሪካ ምናልባት እውን ኣብ ታሪኻ ሪእያቶ ኣብ ዘይተፈልጥ መጥቃዕቲ ስቴፈን ፓዶክ፡ 58 ዜጋታታ ሲኢና 546 ድማ ቆሲሎማ።

'ኣብ ክሳድ ጆናታን ዝኣተወት ጥይት ኣይክትወጽእን እያ'

ጆናታን ንምሕካም ኣብ ዝተኸፍተ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ንሱ 'ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ጥይት ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኮይኑ ግን ጥዕናይ ናብ ንቡር ንኽምለስ እናጸዓርኩ እየ' ኢሉ ነይሩ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ጆናታን ከምዚ ይብል 'ካብቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓደ ነገር እየ ተማሂረ። ንሱ እውን ኩላትና ደቂ ሰባት ከም ምዃና መጠን ሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ከምዘለና እዩ'።

ሄለይ ደ ኣብሩ ሲልቫ ባቲሳ- ህይወት ተሃሮኣ ካብ ሓደጋ ባርዕ ክተድሕን ክትብል ህይወታ ዝሰኣነት ብራዚላዊት መምህር

ሓደ ወዲ ኣብ ብራዚል ከተማ ጃኑባ ናብ ዝርከብ ማእኸል ሕክምና ተባራዓይ ኣልኮል ሒዙ እንትኣቱ፥ መምህር ሄለይ ቅድሚ እቲ ኮሌጅ ምቅጻሉ ክትሃድም ኣይደለየትን።

Image copyright Facebook

መምህር ሄለይ ብ 5 ጥቅምቲ ምስቲ ወዲ ተቓሊሳ ህይወት እተምህሮም ተመሃሮ ክተድሕን እኳ እንተፈተነት ኣይሰመረላን። ህይወት ሰባት ክተድሕን ክትብል ህይወት መገዛእ ርእሳ ስኢና።

ጓል 43 ዓመት መምህር ሄለይ፡ ተግባር ዳማዮ ሶሬስ ዶስ ሳንቶስ ንምቕልባስ ተቓሊሳ፥ ምስ 4 ተመሃሮኣ ክቡር ህይወታ ከፊላ።

'ምልክት ጅግንነትን ተወፋይነትን'

ነቲ መምህር ሄለይ እተምህረሉ ቤት ትምህርቲ ዘቃጸለ ወዲ ሰራሕተኛ ዘብዒ እቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ነይሩ።

ዓመታዊ ዕረፍቲ ወሲዱ ምስተመልሰ ድማ ብዘጋጠሞ ጥዕናዊ ጸገማት ምኽንያት ካብ ስርሑ ተሰጕጉ።

በዚ ስጉምቲ ዝኾረየ ዶስ ሳንቶስ ናብቲ ማእኸል ተባራዓይ ሓዊ ሒዙ ብምእታው ሓደጋ ባርዕ ኣስዒቡ።

ፕሬዚደንት ብራዚል ሚካኤል ተመር፡ መምህር ሄለይ ንዝገበረቶ ህይወት ዝሓትት ተጋድሎ ሃገራዊ ክብሪ ክትጎናጸፍ ኣዚዞም።

'ንተመሃሮኣ ክትብል ህይወታ ዝሰኣነት መመህር ልዑል ክብርን ሞሳን ይግብኣ' ክብሉ እውን ንዝፈጸመቶ ተግባር ኒኢዶም።

ማርቆስ ሁቺንስ- ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝመከተ ጅግና ቴክኖሎጂ

ኣብ 150 ሃገራት ንዝርከባ ኣስታት 3 ሚኢቲ ሽሕ ኮምፒተራት ዘጥቅዐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ሃንደበት ብክኢላ ቴክኖሎጂ ሳይበር ማርቆስ ሁቺንስ ተመኪቱ።

ራንሳምዌር ዋናክራይ በ12 ግንቦት ኣብ ማእኸላት ሕክምናን ፋይናንሳዊ ትካላት ዕላማ ዝገበረ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ መረዳእታን ገንዘብን ንምጉሓል ፈቲኑ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ትካል መረዳእታ ጥዕና ኢንግሊዝ ደው ብምባሉ ህይወት ብዙሓት ተሓከምቲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ።

ወዲ 22 ዓመት ማርቆስ ብዘለዎ ዓቕሚ ሳይበር ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ነቲ መጥቓዕታዊ ሳይበር መኪትዎ።

ድሕሪ እዚ እዩ እምበኣር ዓለም ለኸ ሚድያታት ኣብ ማርቆስ ጠመተ ክገብራ ዝጀመራ።

ባህትያር ዱያስክ- ትዊተር ገጽ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝደምሰሰ

በዚ ጉዳይ እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይክስማዕማዕ ይኽእል እዩ።

ኮይኑ ግና ነባር ሰራሕተኛ ኩባንያ ትዊተር ባህትያር ዱያስክ ኣብ 2017 ፍሉይ ነገር ካብ ዝገበሩ ሰባት ሓደ እዩ።

ባህትያር ዱያስክ ካብ ተቖጺሩ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ትዊተር ንኽወጽእ ሓንቲ መዓልቲ ምስተረፎ እዩ ትወተር ገጽ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘዕጸወ።

Image copyright Reuters

ብ3 ሕዳር ትዊተር ገጽ ፕሬዚደንት ትራምፕ ን11 ደቓይቕ ዝኣክል ካብ ስራሕ ወጻእ ኮይኑ ጸኒሑ።

ኩባንያ ትዊተር ብዘካየዶ ምጽራይ መሰረት ድማ ዋላ እኳ ዘሕርቕ ተግባር እንተኾነ እቲ ተግባር ግና ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ ከምዘይኮነ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ካልኣይ መዓልቲ ንኸይድገም ድማ ብጥንቃቐ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ወዲ 28 ዓመት ባህትያር ዱያስክ ብወገኑ 44.6 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ትዊተር ገጽ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብጌጋ ከምዝደምሰሶ ሓቢሩ ነይሩ።

ከም ኣገላልጻ ባህትያር ዝኾነ ካሊእ ነገር እናጠዋወቐ እንከሎ እዩ ብጌጋ ገጽ ትዊትር ትራምፕ ደምሲስዎ።

ናናማል ኣማ- ወዲ 98 ዓመት መምህር ተምሳጥ

መምህር ተምሳጥ 'ዮጋ' ህንዳዊት ናናማል ኣማ ሰባት ንምንቅቓሕ እርጋን ኣይግድበካን ትብል።

ኣብ 98 ዓመታ ምሁሮ ተምሳጥ እተምህር ዘላ ናናማል ኣካላዊ ቁመንኣ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ።

እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተሳእለቶ እዩ።

ደቂ ደቃ ዝረኣየት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ህንዲ ግዝኣት ግዝኣት ናዱ እትቕመጥ ናናማል ኣማ፡ ተምሃሮኣ ጥራይ ኣይኮነን እተመህር ብዙሓት ወለዶ ምሁሮ ተምሳጥ ኣምሂራ እያ። ኣባላት ስድርኣ እውን ተግበርቲ ተመስጦ 'ዮጋ' እዮም። ደቃን ደቂ ደቃን እንከይተረፈ ምሁሮ ተመስጦ (ዮጋ) ኣጸቢቖም እዮም ዝፈልጡ።