ብሪጣንያ፡ መራኽብ ኲናት ሩስያ ኣብ ማያዊ ግዝኣታ ብምስላየን ወቒሳ

መርከብ ሩሲያ Image copyright PA

እቲ ሮያል ኔቪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣኒያ ሓንቲ ካብ ፈጣናት ናይ ኲናት መራኽቡ ንሓንቲ መርከብ ውግእ ሩስያ ኣብ ባሕሪ ሰሜን (ኖርዝ ሲ) ኣብ ጥቓ ማያት ናይ ብሪጣኒያ ድሕሪ ምርካባ ዓጂባ ኣሕሊፋታ። እታ ኤች ኤም ኤስ ቅዱስ ኣልባንስ (HMS St Albans) ዝተባህለት መርከብ ብሪጣንያ ንምንቅስቓስ፡ ናይታ ኣድሚራል ጎርሽኮቪች ዝተባህለት ናይ ሩስያ መርከብ "ሃገራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ቦታትታ" ተኸታቲላታ ኢሉ እቲ ሮያል ኔቪ።

ሩስያ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝበለቶ ነገር የለን።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ እዋናት "ምምሕልላፍ መራኽብ ሩሲያ ብማያት ብሪጣኒያ ዛይዱ ጸኒሑ፡ሎ" ኢሉ እቲ ሮያል ኔቪ።

ኣብ ልዕሊ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ተነጺፉ ዝርከብ ናይ ኢንተርኔት ገመድ ብሩሲያ ክወርድ ዝኽእል ሓድሽ ሓደጋ ከምዘሎ ብሪጣኒያ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣጠንቂቓ ነይራ። ብሪጣንያን ኔቶን (ወትሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ነዚ መስመራት መራኸቢ ናይ ምውሓስ ቀዳምነት ክህባ ኣለወን ክብል ሓለቓ ስታፍ ብሪጣኒያ ቺፍ ማርሻል ሰር ስቲዋርት ፒች ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ'ዚ ኣጠንቂቑ ነይሩ። እቶም መስመራት እንተ ድኣ ተቖሪጾም ወይ ተሰናኺሎም፡ "ኣብ ሓጺር እዋን መዓት ከውርዱ'ዮም" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

እቶም መስመራት ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ተነጺፎም ሃገራትን ኣህጉራትን የራኽቡ።

እታ ኤች ኤም ኤስ ቅዱስ ኣልባንስ ብ23 ታሕሳስ'ያ "ነታ ኣድሚራል ጎርሽኮቭ ዝተባህለት ናይ ሩስያ ናይ ውግእ መርከብ ብማያዊ ግዝኣት ብሪጣኒያ ተጸጊዓ ኣብ ትሓልፈሉ ዝነበረት እዋን ክትከታተላ ተኣዚዛ" ኢሉ እቲ ሮያል ኔቪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

"ማያዊ ግዝኣትና ንምውሓስ ኣይክወላወልን'የ። ዝኾነ ዓይነት ወራር ድማ ኣይክጻወርን'የ" ኢሉ ሚኒስተር ምክልኻል ጋቪን ዊሊያምሰን።

"ኣብ ምክልኻል ሃገርና፣ ህዝብናን ሃገራዊ ጥቕምታትናን፡ ብሪጣንያ ፈጺማ ብምጉብዕባዕ ኣይክትደሃልን እያ" ድማ ኢሉ።

እታ ኤች ኤም ኤስ ታይን (HMS Tyne) ዝተባህለት መርከብ ብሪጣንያ'ውን ኣብ ድሮ በዓል ልደት ብባሕሪ ሰሜንን ኢንግሊሽ ቻነልን ኣቢላ ትሓልፍ ንዝነበርት ምስጢራት እትእክብ ናይ ሩስያ መርከብ ክትዕጅባ ተኣዚዛ ከምዝነበርት'ውን እቲ ሮያል ኔቪ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓንቲ ናይቲ ሓይሊ ባሕሪ ሄሊኮፕተር ክልተ ናይ ሩስያ መራኽብ ንምክትታል ብህጹጽ በሪራ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ'ውን ሓንቲ ናይ ብሪጣንያ ናይ ውግእ መርከብን ሰለስተ ኣር ኤ ኤፍ ታይፉናትን (ናይ ብሪጣንያ ናይ ውግእ ነፈርቲ) ንሓንቲ ናይ ነፈርቲ ውግእ እትስከም ናይ ሩስያ መርከብን ብዙሓት ካልኦት መራኽብን ኣብ ብሪቲሽ ቻነል ዓጂበን ኣሕሊፈንአን ነይረን።

ሩስያ ነታ ግዝኣት ዩክሬን ንዝኾነት ክረሚያ ኣብ 2014 ድሕሪ ጎቢጣ ድሕሪ ምሓዛ፡ ዝምድና ብሪጣንያን ሩስያን ሓርፊፉ ይረከብ።