ካናዳ ንኣምባሳደር ቬንዝዋለ ኣባሪራ

ፕሬዝደንት ማዱሮ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ማዱሮ ኣብ ዝቅፅል ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።

ካናዳ፡ ንኣምባሳደር ቬንዝዌላ ዊልመር ባሪኤንቶስ ፈርናንዴዝን ምኽትሎም ኣንጄላ ሄሬራን ካብ ሃገራ ከም ዝሰጎገት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ካናዳ ክርስችያ ፍሬላንድ፡ ሃገረን ኣብዚ ውሳነ እዚ ዝበፅሐት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዲፕሎማሰኛታት ካናዳ ካብ ካራካስ ብምብራሮም ከምዝኾነ ገሊፀን።

ቬንዝዋላ፡ ካናዳ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ፡ ኢዳ እናእተወት እያ ክትብል ብተደጋጋሚ ክትከስስ ጸኒሓ እያ።

ካናዳ ብወገና፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ፕረዚደንት ማዱሮ፡ ዝኸፍአ እዩ ብምባል ትኹንን።

"ንሕና ካናዳውያን፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ብምምንዛዕ፡ መሰረታዊ ግልጋሎት ምስ ዘስእን መንግስቲ ምሕዝነት ክህልወና ኣይኽእልን" ክብላ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ክርስችያ ፍሬላንድ ተዛሪበን።

Image copyright Ronald Grant
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ምኽምባት ኣብ ዘሎ ዓመት 2017፡ ልዕሊ 120 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ምዝዛም ዓመተ 2017 ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት መንግስቲ፡ ልዕሊ 120 ሰባት ሞይቶም።

ኣምባሳደር ቬንዝዋላ ካብ ሃገር ወፃኢ ምዃኖምን ናብ ካናዳ ንክኣትዉ ከምዘይፍቀደሎም፡ ከምኡ እውን ምክትል ኣምባሳደር እውን፡ ካናዳ ለቒቐን ንክወፅኣ፡ ከመዝተነገረን፡ እተን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጠን።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ማዱሮ ማዕቐብ ብምንባር፡ ውልቀ መላኺ" ብምባል ኮኒኖሞም።

ተቓወምቲ መንግስቲ ቬንዝዋላ፡ ፕረዚደንት ማዱሮን፡ ፕረዚደንት ነበር ሁጎ ቻቬዝን፡ ብስርዓት ሶሻሊስት፡ ንምጣነ ሃፍቲ ቬንዝዋላ ብጣዕሚ ጎዲኦሞ እዮም ብምባል ድምፆም የስምዑ።

ቬንዝዋላ ኣብ ዓለም ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ካብ ዝረኣየለን ሃገራት ዓለም ሓንቲ እንትትኸውን፡ መድሃኒትን ሕፅረት መሰረታዊ ሸቐጣት ብተደጋጋሚ የጋጥማ።

ዘመን ስልጣን ፕረዚደንት ማዱሮ፡ ኣብ 2019 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን እዩ ዘብቅዕ። ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝካየድ መረፃ ድማ፡ ንተወሳኺ እብረ ስልጣን ከም ዝወዳደሩ ኣፍሊጦም እዮም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ተቓወምቲ ውድባት (ሰልፊታት) ምእጋዶም ተሓቢሩ።