"ህዝብና ተቖጢዑ'ሎ እኳ፡ እንተዘይበልኩ፡ ኣብ ስግኣት ከምዝርከብ ግን ክዛረብ እኽእል'የ" ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ

ሳሚ ሽኩሪን ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ግብፅን ኢትዮጵያን

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሚ ሹክሪ፡ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኦም ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣብ ምጥንኻር ዘድሃቡ ሓሳብት ዝተለዋወጡ እንትኾኑ፡ ሹክሪ ናብ ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዘብፅሕዎ ሓድሽ እማመ ቀሊልን ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእልን'ዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ዓብዪ ቆላሕታ ሂቦም እናሰርሑ ምምፅኦም ዘዘኻኸሩ ሳሚ ሹክሪ፡ "ሉኣላውነት፥ ሓበራዊ ምትእምማን መሰረት ዝገበሩን ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተኸተሉን ስራሕቲ ተወጊኖም" ኢሎም። ኮይኑ ግን ንዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ክክየዱ ዝፀንሑ ዘተታት ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘይተረኸቦም ሓቢሮም።

ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኖም፡ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘይህሉ ብምግላፅ፡ "ዘይምርድዳእ እንትህልው ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ብምኽታል ክፍታሕ ይከኣል። ካብ ክልትኤን ሃገራት ዝቑጣዕ ህዝቢ ኣይክህሉን። ኢትዮጵያ ንግብፂ ክትጎድእ እትሰርሖ ስራሕ የለን" ኢሎም።

96 ሚኢታዊት ህዝቦም ኣብ ሓውሲ ምድረ በዳ ከምዝነብርን ህይወቱ ኣብ ማይ ሩባ ኣባይ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነን ዘዘኻኸሩ ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ "ህዝቢ ግብፂ ተቖጢዑ'ሎ እንተዘይበልኩ'ኳ፡ ናብ ስግኣት ከምዝኣተወ ግን ክዛረብ እኽእል'የ" ክብሉ ተዛሪቦም። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ግን ንልምዓታዊ ንጥፈታት ኢትዮጵያ ቅቡል ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም።

እቲ ጉዳይ ናይ ክልትኤን ሃገራት ጉዳይ ዘይኮነስ ንሱዳን'ውን ከምዝምልከት ዝሓበሩ ክልቲኦም ሚንስትራት፡ ብዘተን ሓቢርካ ብምስራሕን ፍታሕ ንምምፃእ ከምዝፅዕሩ ገሊፆም። ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ሳይንሳዊ መፅናዕቲታት መሰረት ዝገበረ ፍታሕ ከምዝጠቅምን ተቐባልነት ከምዝህልዎን ሳሚ ሹክሪ ሓቢሮም።

እዚ ሓድሽ ፕሮፖዛል ክሳብ ሕዚ ንዝተፈጠረ ምድንጓይ ዘካሓሕስን ቀልጢፍካ ናብ ፍታሕ ንምእታው ዝሕገዝ ቀሊል፥ ካብ ፖለቲካዊ ፅልዋታት ዝረሓቐን ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእልን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ሹክሪ፡ ጉዳይ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንመራሕትን ንፖለቲካን ጥራሕ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

"መፅናፅቲ ንኸካይድ ብሰለስቲኤን ሃገራት ፍቓድን ተቐባልነትን ዝረኸበ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ተመራመርቲ ንዘቕርቦ ዝኾነ ይኹን ውፅኢት መፅናዕቲ ግብፂ ቅቡል ክትገብር እያ" ኢሎም።

ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኖም "ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ግልፂ ንምዃን እናፀዓርና ኢና። ነቲ ሕዚ ቀሪቡልና ዘሎ እማመ እውን ክንርእዮ ኢና። ጉዳይ ሰለስተ ሃገራት ብምዃኑ ግን ብጥንቃቐ ክተሓዝን ክረአን ይግባእ" ኢሎም።

እተን ሃገራት ኣብ ካልኦት ክልተኣዊ ጉዳያት ብዝተጠናኸረ መገዲ ንምስራሕ ድልየት ከምዘለወን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ እቶም ሚንስትራት ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ