ኤርትራዊ ስደተኛ ደራሲ ካብ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ጸጋይ ግርማይን (ፋንታስቲክ) መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነ ማርያምን Image copyright TSEGAY GIRMAY
ናይ ምስሊ መግለጺ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ጸጋይ ግርማይን (ፋንታስቲክ) መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነ ማርያምን

ስደት፡ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ አህዛብ ዓለም ካብ ቤት ንብረቶም ዘመዛብል ዘሎ ኣህጉራዉን ዓለማዉን ጸገም'ዩ። መንእሰያት፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ዕድመ ዝደፍኡ ሽምግለታትን ኣካለ ስንኩላት ከይተረፈ፡ ኣብ ዝነብሩላ ሃገር ብዝገጥሞም ፖለቲካዉን ማሕበራዉን ጸገም፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ይስደዱ።

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ጸጋይ ግርማይ (ፋንታስቲክ)፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለማዊ ኣሃዝ ስደተኛታት ዝጽብጸቡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ዝነብር ዘሎ ሰብ እዩ።

ጸጋይ ዓቕመ ኣዳም ቅድሚ ምብጽሑ ገና ኣብ ንእስነቱ፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ሰፊኑ ዝነበረ ውዕውዕ ሃገራዊ ስምዒት ንናጽነት፡ ብ1980 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ እዩ። ናብቲ ግንባር ምስተጸምበረ ስሩዕ ወተሃደራዉን ፖለቲካዉን ስልጠና ወሲዱ ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ተጸምቢሩ።

1983፡ "ሰላሕታዊ ወራር" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ 7ይ ወራር ኣብ ዝተኻየደ ዉግእ መቑረጽቲ ልዕሊ ብርኪ ኣጋጢሙዎ። ድሕሪ መቑረጽቲ እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ዕማማት እቲ ቃልሲ እጃሙ እናበርከተ ናጽነት ክርኢ በቒዑ። ዋላ'ኳ መበገሲ ስደት ዜጋታት ኤርትራ ዝተፈላለየ እንተኾነ፡ ንተጋዳላይ ነበር ጸጋይ ግን ፖለቲካዉን ቁጠባዊን ጸገማት እታ ሃገር እዩ ንክስደድ ኣገዲዱዎ። ኣብ ዝሓለፈ 14 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ኣብ ስደት ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ኮይኑ ዝጸሓፋ ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ትብል መፅሓፍ ዘርእስታ ንተሞኩርኡ እትገልጽ መጽሓፍ ኣመሪቑ።

ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ እንታይ'ዩ?

Image copyright TSEGAY GIRMAY

ጸጋይ፡ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ክሳብ ስደት ዘጋጠሞ ብዓይኑ ዝረኣዮም ተጓንፎታት ኣብ 133 ገጻት ኣስፊሩዎ ኣሎ። ንሱ፡ ጠንቂ ስደት ዜጋታት ኤርትራ ቅዋም ኣልቦ ምሕደራን ንሱ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ነዉጽን ምልክን ምዃኑ'ዩ ዝኣምን፡ ንተሞኩሮኡ ድማ ኣብ መጽሓፉ ከምዘስፈሮ ይሕብር ይብል።

"ትዕቢታዊ ምምሕዳር" ካልእ ጠንቂ ስደት ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝኾነ ዘልዓለ ተጋዳላይ ጸጋይ፡ ኣብ መጽሓፉ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ህዝብን ጎረባብቱን ተዓሪቑ ንሰላምን ምርግጋእን ዝሰርሕ መንፈስን ምሕደራን ክሰፍን ኣለዎ ዝብል መደምደምታ ከምዘስፈረ የርድእ።

እታ መጽሓፍ፡ ምንቅስቓስ ንግድን ወፍርን ኤርትራ እንታይ ይመስል፣ ወደባት እታ ሃገር ከመይ ኣለዋ? እንታይ ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ? ብኸመይ ዝሓሸን ዝበለጸን ኣገልግሎት ክህባ ይኽእላ? ሙሁራት ኤርትራ ኣበይ ኣለዉ? እንታይ ኣበርክቶ ኸ ክገብሩ ይኽእሉ ዝብሉን ካልኦትን ጭቡጥ ሓቅታት ሰኒዳ ምህላዋ ገሊጹ ኣሎ ተጋዳላይ ነበር ጸጋይ ግርማይ።

እታ "ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ" እትብል ኣብ 133 ገጻት ዝተኸተበት መጽሓፉ ኣብ ማእከላት መዕቖቢ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራዉያን ብቐንዱ ከምኡ እውን ኢትዮጵያዉያን ከንብቡዋ ትጽቢት ኣለዎ። ንመሕተሚ እታ መጽሓፍ ዝኸውን ገንዘብ ንዝወፈይሉ ኤርትራዉያን ሰብ ንዋይ ድማ የመስግን።

ተጋዳላይ ጸጋይ፡ "ትማሊ" ዘርእስታ መድብል ግጥምን ሓጸርቲ ጽሑፋትን'ዉን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣመሪቑ ኣሎ። እታ ካልአይቲ መጽሓፉ ለዉጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ስደትን ዘለዎ ጽልዋን ብኸመይ ክትከላኸሎ ከምእትኽእል ኣመት ዝህብ ሓሳባትን ሓጸርቲ ጽሑፋትን ዝሓዘት'ያ።

Image copyright TSEGAY GIRMAY

ዓይንን ኣፍንጫን ብሓደ ይነብዓ

ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 2011 ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ተጋዳላይ ጸጋይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ኣካለ ስንኩላት ከይተረፍና ምርኩስ እናተደገፍና ምስ ተረክበቲ ሃገር ከኾኑ ዝግብኦም መንእሰያት ንስደድ ኣለና ይብል።

ሽሕ'ኳ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት፡ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ፖለቲካዊ ሃዋሁው እንተሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ትዉልድን ካልእን ዝተኣሳሰረን ዝቐረበን ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ካልአይቲ ሃገርና ኮይናትና ብዝተፈላለየ መገዲ ንመጽኣ ኣለና ይብል።

"እቲ ባንዴራን ሃገርን'ዩ ተፈላልዩ እምበር፡ እቲ ህዝቢ ሓደ'ዩ። ኣብዚ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ናይ ምንባር ናጽነት ረኺብና ንነብር ምህላዉና ሓደ ነገር'ዩ" ዝብል ጸጋይ፡ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ጠጠዉ ዝብል፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስዝልወጥ እዩ ይብል።

ፈቖዶ ኣጻምእ ሰሃራን ባሕሪ ሜደተራንያንን ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ምክልባትን መንእሰያት ከብቅዕ ኣለዎ። ነዚ ጸገም እዚ ከኣ "ባዕላቶም መንእሰያት እዮም ክዋስእሉ ዝግባእ" ዝበለ ጸጋይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ሃገሩ ኣብ ምልዋጥ ክነጥፍ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ብተወሳኺ፡ ስደት ዜጋታት ኤርትራ ንከብቅዕ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንህልዉ ኩነታት እታ ሃገር ዓገብ ኣንቢቡ መንእሰያት ኣብ ቤቶም ንኽረግኡ ዓገብ ክብል ኣለዎ ዝበለ ተጋዳላይ ጸጋይ፡ "ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብምፍጣር ህዝባ ብጸጋታታ ንክረብሕ ክትጽዕር ይግባእ" ይብል።