ብራዚል ነባር ዲፕሎማት ቬንዙዌላ ሰጒጓ

ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ብራዚል ሕዚ ኣዛቢዓ'ያ ኢሎም Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ብራዚል ሕዚ ኣዛቢዓ'ያ ኢሎም

ብራዚል፡ ኣብ ሃገራ ዝነበሩ ነባር ዲፕሎማት ቬንዙዌላ ጄራርዶ ዴልጋዶ ከምዝሰጎገት ኣፍሊጣ።

እዚ፡ ቬንዙዌላ ኣብ ካራካስ ዝነበሩ ኣምባሳደር ብራዚል ሩይ ፔሪራ ብምብራራ ዝተወሰደ ዓጸፋዊ ምላሽ ብራዚል'ዩ።

ቬንዙዌላ ምኽንያት ዉሳንኣ እንትትገልጽ፡ ፕረዝደንት ጸጋማይ ክንፊ ዝነበራ ዲልማ ሮሱፍ ብራዚል ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምኽሳሳ'ዩ ትብል።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ቬንዙዌላ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ሃገረይ ኣትዩ ብዝብል ኣምባሳደር ካናዳ ኣባሪራ'ያ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ፡ ኣምባሳደር ቬንዙዌላ ኣብ ካናዳ ዊልመር ባሬንቶስ ፈርናንዴዝ ኣብ ወጻኢ ከምዘለዉ ብምግላጽ ናብ ሃገራ ክምለሱ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጠን እየን።

ዓመጽ የማናይ ክንፊ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሚካኤል ተመር ናብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ናብዚ፡ ቬንዙዌላ ምስ ብራዚል ዝነበራ ርክብ ነክዩ'ዩ።

እዚ ፕረዚደንት ዝነበራን ብገበን ግዕዝይና ዝተኸሰሳን ዲልማ ሮሱፍ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኺሲሰን ብዝብል እንትኸውን፡ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ "ዓመጽ የማናይ ክንፊ" ብምባል ይገልጹዎ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ካራካስ ሩይ ፔሪራ ናብ ካራካስ ከይምለሱ ተኸልኺሎም

ሓላፊ ጉባኤ ቬንዙዌላ ዴልሲ ሮድሪገዝ፡ "ምስ ብራዚል ዘለና ዲፕሎማሲያዊ ርክብ መንግስቲ፡ ሕገ መንግስታዊ ትእዛዝ ናብ ዝነበሮ ክሳብ ዝምልሶ ኣይምለስን" ኢሎም።

እዚ ስጉምቲ ኢሉ መንግስቲ ብራዚል፡ "መላኽነት ምምሕዳር ፕረዚደንት ማዱሮ ዘርኢ'ዩ"።

ብራዚልን ካናዳን፡ ማዱሮ ዝመርሖ ሶሻሊስት መንግስቲ መሰላት ተቓወምትን ሰብኣዊ መሰላትን ይግህስ'ዩ ብምባል ክወቕሳ ጸኒሐን'የን።

ካናዳ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ ቬንዙዌላ ማዕቐብ ኣንቢራ'ያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት