ሰሜን ኮርያውያን ሰራሕቲ ባላስቲክ ሚሳይል ግዳይ ማዕቐብ ኣሜሪካ ኮይኖም

እሙናት ኪም ጆንግ ኡን፡ ሪ ፒዮንግ ኮልን ኪም ጆን ሲክን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እሙናት ኪም ጆንግ ኡን፡ ሪ ፒዮንግ ኮልን ኪም ጆን ሲክን

ኣሜሪካ ዓንዲ ሑቐ ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ማዕቐብ ኣንቢራ።

እዞም ክልተ ሰሜን ኮርያውያን፡ ኪም ጆንግ ሲክን ሪ ፒዮንግ ኮልን፡ ብጉዳያት ምሕደራ ሃፍቲ ኣሜሪካ፡ ቁልፊ መራሕቲ መደብ ባላስቲክ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ተባሂሎም እዮም ማዕቐብ ተነቢርሎም ዘሎ።

ሰሜን ኮርያ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳይል ምክያዳ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓድሽ ማዕቐብ'ውን ኣንቢሩላ እዩ።

ሰሜን ኮርያ ብወገና፡ እዚ ሓድሽ ማዕቐብ፡ ምጣነ ሃፍቲ እታ ሃገር ንምድቋስ ምስ ዝተገበሩ ማዕቐባት ዝመሳሰል "ተግባር ኲናት" ብምባል ኮኒናቶ።

እዚ ሓድሽ ማዕቐብ ኣሜሪካ፡ ብኽልቲኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ መደብ ባላስቲክ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝካየዱ ዝውውራት ንግዲ ዝኾልፍን፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ሃፍቶም ዝእግድን እዩ።

ሰሜን ኮርያ ሚሳይል ብዘወንጨፈት ቁፅሪ፡ ክልቲኦም ቁልፊ ሰባት ምስ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆን ኡን ፎቶ ምስኣሎም ልሙድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰሜን ኮርያ ተደጋጋሚ ፈተነታት ዓይነታት ሚሳይል ዘካየደት እንትትኸውን፡ ኣብ መወዳእታ ንኣሜሪካ ዝወቅዕ ባላስቲክ ሚሳይል ከምዘወንጨፈት ምግላፃ ይዝከር።

Image copyright KCNA/Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሪ ፒ ዮንግ ኮል ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆን ኡን ብሓጎስ ዝተልዓልዎ ስእሊ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ብማዕኸን ዜና ሮይተርስ ዝወፅአ ምርመራ ከምዝሕብሮ፡ ክልቲኦም ቁልፊ ሰባት ሰሜን ኮርያን፡ መሃዚ መሳርሒ ኲናት እታ ሃገር ጃንግ ቻን ሃን ምስ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ስጡም ርክብ ኣለዎም።

ካብ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዝተፈለየ፡ ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦምን ተቐራሪቦምን እንተውግዑ ምርኣይ ክልቲኦም ሰባት ዘለዎም ርክብ ስጡም ምዃኑ ዘረድእ እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ሰሜን ኮርያ ብዘካደቶ ተደጋጋሚ ፈተነ ሚሳይል ወጥሪ ዛይዱ'ሎ።

ሪ ፒዮንግ ኮል ኣብ ሩስያ ዝተምሃሩን ጀነራል ሓይሊ ኣየር ነበር ዝነበሩ እንትኾኑ፡ ኪም ጆንግ ሲክ ድማ ተመራማሪ ሮኬት እዮም ነይሮም።

ሪ ፒዮንግን ኪም ጆንግ ሲክን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማዕቐብ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 16 ሰባት እዮም።

ሓድሽ ማዕቐብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ፡

  • ኣብ ዓመት ናብታ ሃገር ዝኣቱ 500 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ንከይኣቱ
  • ኩሎም ኣብ ሃገራት ወፃኢ ዝሰርሑ ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ናብ ሃገሮም ክምለሱን፡ ምንጪ ሸርፊ ወፃኢ ዝረኽብሉ ኣማራፅታት ክእገዱን
  • ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝስርሑ ፍርያታት፡ ከም መሽናትን መሳርሕታት ኤሌክትሪክን ናብ ዕዳጋ ዓለም ከይቐርቡን ይእግድ

ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ 28 ሕዳር ንኣሜሪካ ዝወቅዕ ባላስቲክ ሚሳይል ምውንጫፋ ስዒቡ እዩ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓድሸ ማዕቐብ ኣንቢሩ ዘሎ።

ይኹን እምበር ሰሜን ኮርያውያን ሕዚ እውን ድምብርፅ ዝበሎም ኣይመስሉን።

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ እታ ሃገር፡ ኣብ መደብር ተለቬዥን እታ ሃገር ብምቕራብ፡ "ኣሜሪካ እዚ ዕውትን ታሪኻውን ፈተነ ኒኩሌር ስለ ዘፍርሓ፡ ከቢድ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ምንባራ ኣይገርምን"ኢሎም።