ፍሉጥ ዓብዪ ተኽሊ ዋይት ሃዉስ ተኽሊ ክቑረጽ'ዩ

ኣስታት ክልተ ክፍለ ዘበን ዘሕለፈ ተኽሊ ዋይት ሃዉስ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስታት ክልተ ክፍለ ዘበን ዘሕለፈ ተኽሊ ዋይት ሃዉስ

ኣብ ውሽጢ 'ዋይት ሃዉስ' ዝርከብ ከባቢ 200 ዓመት ዘቑጸረ ታሪኻዊ ተኽሊ ክቑረጽ'ዩ።

እዚ "ጃክሰን" ዝብል ስያመ ዝተዉሃቦ ተኽሊ፡ ብፕረዚደንት ኣንድሪዉ ጃክሰን ዝተተኸለ እንትኸውን፡ ንዝኽሪ ብሞት ዝተፈለየኦም በዓልቲ ቤቶም'ዩ ተሰይሙ።

ካብ 1928 ክሳብ 1988 ኣብ ዘሎ ግዘ ታሪካዊ ስርዓታት ድማ ይፍጸመሉ ነይሩ።

እንተኾነ ክኢላታት፡ እቲ ተኽሊ ተጎዲኡ ስለዘሎ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል'ዩ እዮም ዝብሉ።

ቐዳማዊት እመቤት ሜላና ትራምፕ እቲ ተኽሊ ክዉገድ መጀምርያ ሓቲተን'የን።

ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ስቴፋኒ ግሪሽሃም፡ አቲ ኣሪጉ ዘሎ ተኽሊ ተወጊዱ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ብኻልእ ክትካእ ተዛሪቦም'ዮም ይብላ።

እዚ ንድሕንነት ዝመጹ ኣጋይሽን ካልኦትን ስግኣት ይኸዉን ስለዘሎን፡ ከምኡ'ውን ነፋሪት ክትብገስ ከላ ስግኣት ይፈጥር ስለዘሎ ክቑረጽ ኣለዎ ምባሎም ገሊጸን።

ኣብ 1970ታት ሓደ ኽፋል እቲ ተኽሊ እንትዉገድ'ዩ እዚ ታሪኻዊ ተኽሊ ጸገም ዝጀመሮ።

ንምድጋፍ ክጥዕም ድማ ብስሚንቶ ዝተነደቐ ዓምዲ ተገይርሉ ጸኒሑ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሄሊኮፕተር ፕረዚደንት ኣብ ጥቓ እቲ ተኽሊ ክትለዓል ከላ

ኣብ 1981 ነቲ ተኽሊ ክድግፍ ቖይሙ ዝነበረ ዓምዲ ብምዉጋድ፡ ኣሲሩ ክሕዞ ብዝኽእል "ፓሎን ኬብልን" ተተኪኡ።

እዚ ኣብ ሰብ ሰራሕ ሓገዝ ጽግዕተኛ ዝኾነ ተኽሊ እናተብሃለ ድማ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ክጽብጽባሉ ፀኒሐን።

እዚ ታሪኻዊ ተኽሊ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ 39 ፕረዚደንታት ዘሕለፈ እንትኸውን፡ ኣብ እዋን ኲናት ሕድሕድ ኣሜሪካን ክልቲኦም ኲናት ዓለም'ዉን ነይሩ'ዩ።

ጓል ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን፥ ቼልሲ ክሊንተን ክሳብ ሐዚ እቲ ተኽሊ ክሕብሐብ ንዝገበሩ አካላት ኣመስጊና ኣብ ትዊተር ገፃ ፅሒፋ።