ኣብ የመን ዝነብሩ ኢትዯጵያውያንን ኤርትራውያንን "ዝረድኣና ስኢንና" ይብሉ

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ የመን ብዝነበረ ኲናት ሕድሕድ ክልተ ኢትዯጵያውያን ብጥይት ተወቒዖም እግሮም ተቖሪፆም እዮም። Image copyright Jemal Jeilan
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ የመን ብጥይት ተወቐዒዖም ካብ ሞንጎ ዝቖሰሉ ኢትዮጵያውያን።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ኣብ ሰንዓ ይነብሩ ዋላ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ የመን ብዘሎ ኲናት ሕድሕድ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ይስደዱ ከምዘለዉን መፍትሒ ከምዝሰኣኑን ተዛሪቦም።

ካብ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ኣብ የመን ዝነብር ዘሎ ጀማል ጄይል እታ ሃገር ብኲናት ትሕመስ ስለዘላ ዝረድአና ኣካል የለን" ይብል።

"ፀገምና ንነግሮ ዋላ ሓደ ኣካል የለን፤ እንትንሓምም ንሕከመሉ የለን፤ ብዙሓት ቆልዑ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ፡ ኣመና ኣብ ምንግልታዕ ንርከብ" ብምባል ዘለውሉ ኩነታት የረድእ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ "ብምኽንያት እቲ ኲናት ስራሕ የብልናን፣ ንዝሰራሕናዮ እውን መሃያ ኣይኽፈለናን፤ እንተተኸፈለና እውን ውሑድ እዩ፡ ዋጋ ምግቢ ድማ ሰማይ ዓሪጉ እዩ" ይብል።

ካልእ ክግለፅ ስሙ ዘይደለየ ን17 ዓመታት ኣብ የመን ተሰዲዱ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ድማ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ እታ ሃገርን ዓመፅቲ ሖቲን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ይጉድኡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

"እታ ሃገር፡ ብምኽንያት ኲናት፡ ሓደሽቲ ስደተኛታት ምምዝጋብ ካብ ተቋርፅ 2 ዓመታት ተቖፂሮም" ይብል።

በዚ ድማ ናብ የመን ዝኸዱ ስደተኛታት መለለይ መንነት ካብ ምስኣኖም ብተወሳኺ፡ ቀዲሞም መለለይ መንነት ዝረኸቡ እውን፡ ከሐድሱ ከምዘይኸኣሉ ይዛረብ።

ዓመፅቲ ሖቲ፡ መእተውን መውፅእን መንገድታት ከምዝዓፀዉን፡ ካብቲ ኲናት ንምምላጥ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ይጥቕዑ ከምዘለዉ ይገልፅ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝነበረ ኲናት እኳ፡ ኣብ ጎደናታት ሰንዓ 2 ኢትዮጵያውያን ብጥይት ተወቒዖም እግሮም ከምዝተቖረፁን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለዉን ጀማል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

Image copyright MOHAMMED HUWAIS
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰንዓ፡ የመን

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ መንገዲ ገንዘብ ምሕዳግ፣ ምእሳርን ካብ ስደርኦም ገንዘብ ንከልእኹ ምግዳድ ልሙዳት ተግባራት ከምዝኾኑ ዝዛረብ እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ብምጉህሃሩ ግና ናብ ውትህድርና ክፅምበሩ ይግደዱ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ንጉሆ፡ ብ9 ፖላዊስ ሖቲ ተቐጥቂጠ እየ ዝብል ኣማን መሓመድ ድማ፡ መለለይ መንነቱ ኣብ ገዛ ረሲዑ ከምዝወፀ ዋላ እኳ እንተተዛረቦም፡ ካብታ ከተማ ውፅእ ኢላ ናብ ትርከብ ገጠር ከባቢ ወሲዶም ከምዝቐጥቀጥዎ ገሊፁልና።

ካብ መግረፍቲ ብተወሳኺ 330 ሽሕ ናይ የመን ሪያል ከምዝተሓደገ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ሓደ ሰብ ብ9 ወተሃደር ክውቃዕ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ከም ተመን እዮም ቀጥቂጦምኒ።ምስ መኪና ስለዘላተሙኒ ውነይ ስሒተ። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ዓውደ ኲናት ክወስዱኒ ኢሎም ነይሮም፤ ንዓመፅቲ ሖቲ ብዝቃወም ሓደ ወተሃደር እያ ነብሰይ ተሪፋ" ይብል ነቲ ዝበፅሖ መስካሕክሒ ፍፃመ ብምምራር ዝገልፅ ኣማን።

ማሕበረሰብ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን፣ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ብሓደ ብምዃን፡ኣብ የመን ናብ ዝርከብ ጨንፈር ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምኻድ ሓገዝ ንኽግበረሎም ዋላ እኳ እንተጠርዑ፡ ፍታሕ ኣይረኸቡን።

ፕረዚደንት ነበር እታ ሃገር ምቕታሎም ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ፈኸም ከምዝበለ ዝገልፁ እዞም ስደተኛታት፡ ብምኽንያት እዚ ኣብ ሕሱም ፀገም ከምዝጠሓሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ዘጋጥሞም ዘሎ ከቢድ ፀገም ንኮሚሽን ስደተኛታት ብምግላፅ ንክረድእዎም ዝሓተቱ እኳ እንተኾኑ፡ "ኣይተዳለኹሉን፤ እንሕግዘኩም ነገር የለን፤ ብዘይካ ንጉድኣት ኣካል ስደተኛታት፡ በጀት የብልናን" ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂብዎም።

ብማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም፡ "ናትና ሓላፍነት ኣብ ግዜ ኲናት ፡ ካብቲ ውግእ ምውፃእ ዘይኸኣሉ ሰባት ናብ ሰላማዊ ከባቢ ምውሳድ እዩ" ከምዝተብሃሉ እቶም ስደተኛታት ተዛሪቦም።

ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ዝርከብሉ ሃዋህው ንዓለም ንከርእይ እንተዘይኮይኑ ድማ ካብ የመን ዝወፅእሉ መገዲ ንከዳልወሎም፡ እዞም ስደተኛታት ተላብዮም።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ዓለም ሊዮናርዶ ዶይል ብወገኖም፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ፍልሰት ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ስደተኛታት፡ ኣብ ቅልውላው ኣብ ትርከብ ሃገር ኣብ ማእኸል ኲናት ይርከቡ ኢሎም።

"ንሰባት ኣይትሰደዱ ኣይንብልን፡ ግና ብዝተኽኣለ መጠን፡ ንባዕሎም ካብ ገበነኛታትን ደለልትን ብምርሓቕ፡ ውሑስ ስደት ንክገብሩ ንደሊ" ኢሎም።

ተወሳኺ ዛንታ