ግምታት ላውሮ፡ ዌስትብሮም ንኣርሴናል ክትስዕር እያ

ላውሮ፡ ዌስትብሮም ንኣርሴናል ክትስዕር እያ Image copyright Mike Hewitt

ላውሮ ግምታት ኮሎም ፀዋታታት ኣቐሚጡ ኣሎ።

ቀዳም

ቦርንማውዝ ምስ ኤቨርተን

ዝሓለፈ ሰሙን ቦርንማውዝ ምስ ዌስትሃም ኣብ ዝነበራ ግጥም ብመዓረ ምፍልላያ ኣስደሚሙኒ እዩ። ኣካታዒ ውሳነታት ዳይና ዝተርኣየሉ እውን ነይሩ።

ብመዓረ ምፍልላየን ንቦርንማውዝ ፅቡቅ ውፅኢት እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ይኹን እምበር ኤቨርተን ምስ ዌስትብሮም ብምግጣም ሓደ ነጥቢ ዓቲራ ክትምለስ ክኢላ እያ።

ሳም ኣላርድየስ ነታ ጉጅለ ካብ ዝሕዝዋ ንነዘ ኣብ ሽድሽተ ፀዋታት 12 ነጥቢ ክትረክብ ክኢላ እያ።

ቦርንማውዝ ምስ ኤቨርተን ኣብ ተካይዶ ግጥም፡ ከምትዕወት አተስፍው።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 0

ቼልሲ ምስ ስቶክ

Image copyright Getty Images

ስቶክ ኣብ ፀዋታታት ሰሙናት በዓል ካብ ዘካየደቶም ፀዋታታት ኣርባዕተ ነጥቢ ኣዋህሊላ እያ። ይኹን እምበር ምስ ቼልሲ ኣብ ዝህልዋ ግጥም ነጥቢ ክትረክብ እያ ኢለ ኣይኣምንን።

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ውድድር ዘበን፡ ቼልሲ ብበርንለይን ሲቲን ካብ ዝተሰዓረትሎም ፀዋታት ወፃኢ፡ ኣብ ሜድኣ ነጥብታት ብምእካብ ዝሐሸ ታሪኽ ኣለዋ።

ግምት ላውሮ፡ 3 - 0

ሃደርስፊልድ ምስ በርንሌይ

እዚ ፀዋታ ኣመና ድሙቕ ከምዝኸውን አተስፉ። ምኽንያቱ ድማ ክልቲኤን ጋንታታት ኩዕሶ ሒዘን ኣብ ምፅዋት ንድሕሪት ስለዘይብላ።

በርንሌይ ናብ ፕሪምየርሊግ ካብ ትዓብይ ንነዘ ዘርየኣቶ ብቕዓት፡ ምስ ሃደርስፊልድ ኣብ ዝህልዋ ፀዋታ እውን ክትደግሞ እያ ኢለ እሓስብ።

ግምት ላውሮ ፡ 1 - 0

ሊቨርፑል ምስ ሌይስተር

Image copyright BBC Sport

ናይ ሳውዝሃምፕተን ቨርጂል ቫን ዳይክ ብፅቡቕ ዝውውር ናብ ሊቨርፑል ከምዝፅምበር ምግላፁ ስዒቡ፡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ከምዝሕጎሱ ኣየጠራጥርን።እቲ ምንታይሲ ሊቨርፑል ኣብ ተኸላኻሊ ክንፊ፡ ከም ቫን ዳይክ ዝበለ ጎበዝ ተፃዋቲ ከምዘድልያ እሙን ስለዝኾነ።

ሊቨርፑል ምስ ስዋንሲ ኣብ ዝነበራ ፀዋታ፡ ዋላ እኳ ብቀሊሉ እንተሰዓረት፡ ሌይስተር ሓያል መነሓናሕቲ ክትኸውን እያ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 0

ኒውካስምስ ብራይተን

ኒውካስትል ምስ ሲቲ ኣብ ዝነበረን ግጥም፡ ዋላ እኳ እንተዘይተሳኽዐለን፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ምክልኻል እየን ኣሕሊፈንኦ።

በዚ ድማ ኒውካስትል ምስ ብራይተን ኣብ ዝህልዋ ግጥም፡ ንምክልኻል ወሲና ከምትኣቱ ርግፀኛ እየ።

ግምት ላውሮ ፡ 1 - 1

ዋትፎርድ ምስ ስዋንሲ

ስዋንሲ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ዘርኣየቶ ብቕዓት ኣመና ድኹም ነይሩ። ስዋንሲ ሕዚ ብዘለዋ ብቕዓት፡ ናይ ዓለምና ድኽምቲ ጋንታ እያ እንተበልኩ ዝቃወመኒ ኣይክህሉን።

ዋትፎርድ ድሕሪ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ስዕረት ንሌይስተር ብምስዓር ንቕሕ ኢላ ኣላ። ኮይኑ ግና ስዋንሲ ኣብዚ ፀዋታ ተዳኺማ ከምዘይትቐርብ እግምት።

ግምት ላውሮ ፡ 2 - 0

ዩናይት ምስ ሳውዝሃምፕተን

Image copyright BBC Sport

ሳውዝሃምፕተን ንቫን ዳይክን ዝሸጠትሉ ኣስታት 75 ሚልየን ዶላር፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ካልኦት ተፃወትቲ ብምግዛእ ዝሐሸ ዓቕሚ ሒዛ ከምትቐርብ ይኣምን።

ጋንታ ሞሪስዮ ፔሌግሪኖ ናብ ኦልድ ትራፎርድ ተጓዒዛ፡ ኣብ ሜድኣ ብምፅዋት መዓረ ክትፈላለ እያ፡ ክትዕወት እያ ኢለ ግና ኣይኣምንን።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 0

ሰንበት

ክሪስታል ፓላስ ምስ ሲቲ

Image copyright BBC Sport

ክሪስታል ፓላስ ብሲቲ እትሰዓር ኣይመስለንን።

ጋንታ ሮይ ሆጅሰን፡ ብሲቲ ሸቶ ከይኣትዎም፡ ንሲቲ ከምዘጨናቕዋ ዋላ እኳ እንተኣመንኩ፡ ሲቲ ከም ገለ ክፍተት ብምድላይ ሸቶ ምቁፃራ ኣይክተርፍን።

ግምት ላውሮ፡ 0 - 3

ዌስትብሮም ምስ ኣርሴናል

Image copyright BBC Sport

ዌስትብሮም ኣብ ሓደ ፀዋታ እኳ እንከይተዓወተት፡ ን18 ግጥማት ተጓዒዛ ኣላ። ንኤቨርተን ክትስዕረሉ ትኽእል ወርቃዊ ዕድል እውን ስኢና እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝሰምረሎም ድማ ይኣምን።

ኣርሴናል እውን ብእተርእዮ ዘላ ዘይምዕሩይ ብቕዓት፡ ካብ ዌስትብሮም ከቢድ ፈተና ክገጥማ እዩ።

ግምት ላውሮ ፡ 2 - 1