እዋናዊ ቅልውላዋትን ኣዲስ ኣበባን

ኣዲስ ኣበባ Image copyright SEAN GUALLUP

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ተቓውሞ እናተጋደደ ዝመጸ እንትኸውን፥ ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረሰባት ዝነበረ ምክእኣል ኣብ ሕቶ ዘእቱን፥ ዝፍጠር ዘሎ ፅልእ ድማ መፃኢ ኢዛ ሃገር ከየፀምልቶ ዘስገኦም ብዙሓት እዮም።

እዞም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክልላትን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርትን ዝተልዓሉ ጎንፅታትን ዘይምርግጋዕን ኣብ ርእሰ ከታማ ኣዲስ ኣበባ እንታይ ዝኣክል ጽልዋ ኣሕዲሮም ?

ንምዃኑ ኣብ ክልላት ዝለዓሉ ሕቶታት ዜጋታትከ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ይጥምቱ'ዶ ይኾኑ ?

አዲስ አበባ ከመይ'ያ?

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፥ አዲስ አበባ ገናሒ መኪና ዝኾኑ ኣይተ አለማየሁ ተገኘ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ተሓቲቶም፥ "ንሕና'ሞ እንታይ ፈሊጥና፥ ብዛዕባ እዞም ጎንፅታት ብዙሕ ነገር ካብ ወፃኢ ካብ ዝመፅኡ ሰባት ኢና ንሰምዖ ዘለና።" ኢሎም።

እቶም ዝሰምዑዎም ዜናታት ንሓደሓደ መዘራረቢ ዛዕባታት ይኹኑ'ምበር፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተኸሰቱ ጎንፅታት ኣብ ስርሖም ጥር እትብል ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘይፈጠረሎም ይዛረቡ።

"ስራሕ ከምዝተለመደ'ዩ፥ ተምሃሮ ይመሃሩ አለዉ። ትካላት ንግዲ'ውን ይነግዳ አለዋ። እታ ከተማ አካል እዛ ሃገር ኣይትመስልን" ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት'ውን ሓሳብ ኣይተ አለማዮ ዝደገፉ እንትኸውን፥ ካልኣይ ዓመት ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዩኒቲ ዝኾነት ህይወት አዳነ፥ " ካብ ቅድሚ ሕዚ ፍልይ ዘብሎ፥ ብዛዕብኡ ሓደሓደ ሰባት ኣብ ታክሲ ውሽጢ ዘውግዕዎዎ እንትሰምዕ እዩ" ትብል።

ካበኡ ወፃኢ ንሳ ኣብ እትመሃረሉ ዩኒቨርስቲ እቲ ጉዳይ መዘራረቢ ዛዕባ ኾይኑ ከምዘይፈልጥ ትዛረብ።

ኣብታ ሃገር ብዘለዉ ጎንፅታት ብዙሕ ዝተተንከፈት ዘይትመስል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩነታት መነባብሮ ዝተቐየረ ዘሎ ኣይምሰል'ምበር ስግኣታት ግና ኣለዉ።

ኣብ ከባቢ 'አምስት ኪሎ' ዝነብራ ወላዲት ወይዘሮ ወርቅነሽ ደምሴ ሰባት ናብ ቤተ ክርስትያን እንትኸዱ ብዛዕባ ሰላም ፀሎትን ምሕፀናን ከምዘስምዑ ተዛሪበን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ንዓና'ውን ዝምልከቱ እዮም ዝብል እምነት ዘለዎን ወ/ሮ ወርቅነሽ፥ "ዓሌት ፈልዮም ዝካየዱ ጎንፅታት ግን፥ ንኸም ከማና ዝተዋለደን ዝተዛማደን ህዝቢ ብጣዕሚ መሕዘኒ'ዩ" ይብላ።

ስግኣት

ኣባል መሪሕነትን መስራትን፡ ኣብ እዋን መረፃ 1997 ዓ.ም ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ኣንቀሳቒሱ ዝነበረ ቅንጅት፡ ኣይተ ልደቱ አያሌው ብወገኖም "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውሽጢ ጎንፂ ዘይክህሉ፥ ሰብ ዘይክመውትን፥ ጥይት ንኸይትኮስን ይኽእል፥ እቲ ህዝቢ ግና ውሽጣዊ ሰላም ዝዓሰሎ ኣይመስለንን" ይብሉ።

እቲ ወጥሪ ከምዘሎ ዝኣምኑ ኣይተ ልደቱ፥ ኣብ ክልላት ዝፍጠሩ ዘለዉ መንነት መሰረት ዝገበሩ ጎንፅታት ግና ዝተፈላለዩ ብሄራት ሓቛፊት ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣባባ ናይ ምርኣይ ዕድሎም ዝተሓተ ምዃኑ ይዛረቡ።

Image copyright MIGUEL MEDINA

"እንተተፈጢሩ ግና ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። ንምቁፅፅር'ውን ኣፀጋሚ እዩ ክኸውን" ብምባል ስግኣቶም ይገልፁ።

ምሁር ፍልስፍና ፖለቲካ አፍሪካ፡ ዶክተር ዮሴፍ ሙሉጌታ ባባ፥ ነባርቲ እዛ ከተማ ብዛዕባ እቲ ፀገም እንተሰምዑ'ኳ እቲ ዝበፅሕሉ ልዑል ብርኪ ዝተገንዘቡ ኣይመስለንን፥ ይብሉ። ብተወሳኺ'ውን እታ ከተማ ብዛዕባ ዝሐቖፈቶ ዝተሓናፈፀ ማሕበረሰብን ድማ ምስ ኣይተ ልደቱ ይስማዕምዑ።

ሓንቲ ዝተለመደት አበሃህላ ኣላ። 'ቆልዓ ኣዲስ ኣበባ ሰፈር'ምበር ብሄር ኣይሓትን'፥ እትብል። "ሕቶ ብሄር ኮነ ሕቶ መደብ ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀሩ'ኳ እንተኾኑ፥ መብዛሕትኡ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ዝብል 'ምበር፥ ንገዛእ ርእሱ ምስ ዝኾነ ብሄር ኣየላግብን። ስለዝኾነ ድማ ነቶም ዝኽሰቱ ዘለዉ ጎንፅታት ብሄር፡ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ኣፅቂጡ" ይብሉ ደ/ር ዮሴፍ።

ግርምቢጥ

መንግስቲ ንዝለዓሉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ኣይህብን ዘሎ ተባሂሉ እናተሓመየ እንትኸውን፥ ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ከተማታት መሓውራት ቑፅፅር መንግስቲ በርቲዖም ከምዝሰርሑ ይዝረብ።

"ብዙሕ ሓይሊ ፀጥታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ አሎ። መሓውር እቲ መንግሥቲ ኣብዛ ከተማ ሱር ዝሰደደ ስለዝኾነ እቲ ስርዓት አበርቲዑ ምቁፅፃር ይኽእል'ዩ" ይብሉ ኣይተ ልደቱ። ሓደ ንሓሙሽተ ዝበሃል ስርሒት ቁፅፅር'ውን ኣብዚ ከተማ ዝጠበቐ ምዃኑ ይዛረቡ።

ንዘበናት ክካየዱ ዝፀንሑ ተቓውሞታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ናብ ካልኦት ከተማታት ናይ ምስፍሕፋሕ ባህሪ ነይሩዎም ይብሉ።

ንኣብነት ብ1993ን ብ1997ን ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተወለዑ ተቓውሞታት ተምሃሮ ይፀርሑ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተወደቡ ተቓውሞታት ዝተልዓሉ እንትኸውን ብኣንፃሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ዓሲሉ ይረአ።

ኣይተ ልደቱ ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕምጡዎ፥ ቅድም ክብል እቲ ሕብረተሰብ ንተቓውሞ ዘለዓዕሉን ዝመርሑዎን ዝነበሩ ተቓወምቲ ምንባሮም'ዩ። ኣሸዑ ካልኦት ከተማታት ነቲ ኣብዛ ከተማ ዝለዓል ተቓውሞ ንምድጋፍ እዮም ዝግስግሱ ነይሮም፥ ሕዚ ግን ግርምቢጥ ኾይኑ።

ድሕሪ መረፃ 1997 ዓ/ም ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተንሓናሕቲ ውድባት ከምዘየለዉ ገይርካ ምውሳድ ይሐይሽ ድማ ይብሉ።

ፅባሕኸ?

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ዘለዉ ቅልውላዋት ናብ ኣዲስ አበባ ዘይልሕኹሉ ምኽንያት የለን ይብሉ፥ ኣይተ ልደቱ።

"ሕዚ ዝተኸሰቱ ጎንፅታት ሕድሕድ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዘይኮኑሉ ምኽንያት'ውን ክሳብ ሕዚ ናብ ኣዲስ አበባ ብዘይምልሓኾም'ዩ" ይብሉ።

ብተወሳኺ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝርአዩ ዝነበሩ ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝነበሩ እንትኸውን፥ ኣብ ክልላት ሕዚ ዝውልዑ ዘለዉ ጎንፅታት ግና መልከዖምን ቅርፆምን ተቐይሩ።

"ኣብ መንጎ ህዝብን መንግሥትን ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሓደ ህዝብን ካልእ ህዝብን ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልልን'ዩ።አሰላለፋ ሓይሊታት'ውን ተቐይሩ'ዩ" ይብሉ ኣይተ ልደቱ።

Image copyright MIGUEL MEDINA

እቲ ህዝቢ ለውጢ ዝደሊ ከምዝኾነ ዝገልጹ ኣይተ ልደቱ፥ ብዝተወደበ መልክዑ ናይ ምቅላስ ፖሊቲካዊ ልምዲ ከምዝጎድሎ ይዛረቡ።

"እቲ ህዝቢ ለውጢ ይደሊ ግና ካብ ዝኾነ ኣካል ከመፅእ'ዩ ዝፅበ። ብዝተወሰነ መልክዑ ምድንዛዝ'ውን አሎ። ለውጢ ዝደሊ ኮነ ዘይደሊ ሎሚ ማዕረ እዩ። ሱቕ ኢሉ'ዩ ዝርእይ ዘሎ"።

ዶክተር ዮሴፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ናይ መነባብሮ ፀገም ኮነ ምስ መንነት ተኣሳሲሮም ዝለዓሉ ሕቶታት ህዝቢ ኣዲስ አበባ ብኻሊእ መልክዑ ከምዝግንዘቦም ይዛረቡ።

ብተወሳኺ ድማ ምስ ኣይተ ልደቱ ብሓደ ነገር ይስማዕምዑ። ድሕሪ 1997 ዓ/ም ምልኳት ሃዋህው ፖለቲካ ከምኡድማ ስምዒት ከተማነት ኣዲስ ኣበባ (ኮስሞፖሊታን) ምፍጣሩ ዓብይ አበርክቶ ኣለዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት