ምፍርራሕ ዝሓዘለ መልእኽቲ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን

ሰባት ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ብተሌቪዥን ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ይከታተሉ ኣለዉ 1 ጥሪ 2018. Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ነበርቲ ሰሜን ኮርኣ መልእክቲ መራሒ እታ ሃገር እናተከታተሉ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣሜሪካ ኲናት ክትጅመር ኣይትኽእልን ዝብል መጠንቐቅታ ሂቦም፡ ኒኩለር ዝዉንጭፈሉ መፍትሕ "ኩል ግዘ ኣብ ጠረጴዛይ'ዩ" ዝብል መልእኽቲ ድማ ኣህሊፎም።

ብተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፉዎ መልአኽቲ ሓዱሽ ዓመት፡ መላእ ኣሜሪካ ኣብ ክባ ኣጽዋር ኒኩለር ሰሜን ኮርያ'ያ ትርከብ ኢሎም፡ "እዚ ምፍርራሕ ኣይኮነን፡ ሓቂ'ዩ" ብምባል።

ይኹን'ምበር፡ ምስ ደቡብ ኮርያ ኽፉት ዘተ ክህልዎም ከምዝክእል ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ካብዚ ሓሊፉ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ሴኡል ንዝካየድ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ጉጅለ ክትልእኽ'ያ ኢሎም።

ንመፈራርሒ ሓሳባት ኪም ምላሽ ክህቡ ዝተሓተቱ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 'ክንርኢ ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቦም።

ብምኽንያት ፕሮግራም ኒኩለርን ተደጋገምቲ ፈተነታት ምትኳስ ባላስቲክ ሚሳይልን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ሰሜን ኮርያ ዝበጽሓ ዝነበረ ነቐፌታን ማዕቀብን ዝወሰኸሉ ኩነታት'ዩ ነይሩ።

እዚ'ዉን ኮይኑ ግና ሰሜን ኮርያ ኣብ ክሊ እቶም ከበድቲ ማዕቀባት ኣጽዋር ኒኩለር ካብ ምምዕባል ከምዘይትቑጠብ ኣፍሊጣ'ያ።

መራሒ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ቴሌቪዥን'ዉን ነዚ'ዮም ደጊሞም። "እታ ሃገር ባላስቲክ ሚሳይልን ኣጽዋር ኒኩለርን ምምዕባል ክተጠናኽሮ ኣለዋ" ኢሎም።

ይኩን'ምበር፡ ኣብ ሞንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዘሎ ናይ ኲናት ዝመስል ርክብ ክዘሓሓል'ዩ ዝብል ሓበሬታ ኣሕሊፎም ኣለዉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጂ ኢን፡ ምስ ኣሜሪካ ዝካየድ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክሳብ እቲ ጸወታ ኦሎምፒክ ክዝንግዕ ኣለዎ ኢሎም'ዮም።

"ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኦሎምፒክ ምስታፋ ሓድነት ህዝብታት ንምርኣይ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥር ክኸዉን'ዩ ኢለ ይግምት፡ ብዓወት ክዛዘም ከኣ ይምነ" ኢሎም ኣለዉ ፕረዚደንት ኪም።