ኮንጎ፡ ንተቓወምቲ ፕረዚደንት ካቢላ ዘነፃፀረ ቅትለት ተፈፂሙ

ኣብ ኪንሻሳ ንምህዳም እትጎይ ሰበይቲ Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ፖሊስ ኣብ ቤተክርስትያን ጥይት ተኲሱ እዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊ ኮንጎ ሸውዓተ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ቀቲሎም።

ሓይልታ ጸጥታ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ከምዝቐተሉ፡ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ'ዩ ነይሩ። ፖሊስ ግና ሰለስተ ሰባት ጥራይ ከምዝሞቱ ብምግላጽ፡ ሞት ናይቶም ክልተ ሰባት ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ተቓወምቲ ሰልፍታትን ጎስጎስቲ ፖለቲካ ኣብያተ-ክርስትያናትን'ውን ነቲ ሰልፊ ደጊፎሞ።

ብመሰረት ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ፕረሲደንት ካቢላ ኣብ መወዳእታ 2017 ካብ ስልጣኑ ክእለ ነይርዎ።

እዚ ድማ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምብቃዕ ናይ ካልኣይ እዋን ፕረሲደንትነቱ ማለት'ዩ።

ንዕኡ ዝትክእ ፕረሲደንት ንምምራጽ ዝግበር ምርጫ ድማ ንታሕሳስ 2018 ተናዊሑ'ሎ።

መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም'ኳ እንተነበሩ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካየድ ከልኪሎም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጆሴፍ ካቢላ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ስልጣን ክወርዱ ነይርዎም።

ፖሊስ ድማ ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን ተጠቒሞም ሰልፈኛታት ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት ይኹን ካልእ ቦታታት ከይእከቡ ከልኪሎሞም።

ክልተ ሰብኡት ኣብ ርእሰ-ከተማ ኪንሻሳ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ቤተ-ክርስትያን ብጥይት ከምዝተቐትሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት ኣፍሊጡ።

ዋሃቢት ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሎረንስ ማርሻል ድማ፡ ብዘይካ'ቶም ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝተቐትሉ ሸውዓታ ሰባት፡ ሓደ ካልእ ሰልፈኛ'ውን ኣብ ማእከላዊት ከተማ ካናንጋ ተቐቲሉ ኢሉ።

ልዕሊ 120 ሰባት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ድማ ሓቢራ። ን"ምጥቃም ሓይሊ ኣንጻር ሰላማውያን ሰልፈኛታትን" "ጎንጻዊ ምርጋጽ መሰረታውያን መሰላትን ነጻነትን ብሓይልታት ጸጥታ" ድማ ኮኒና።

ፕረሲደንት ካቢላ ካብ 2001ን ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ሎ። እቲ ካልኣይ ናይ ስልጣን እዋኑ ምስ ወድአ፡ ኣብ 2016 ካብ ስልጣኑ ክእለ'ኳ እንተነበሮ፡ ምርጫ ከይተኻየደ ጸኒሑ'ሎ።

እቲ ምርጫ ብዘይምክያዱ ድማ ብዙሕ ሞት ዘስዓቡ ሰላማዊ ሰልፍታት ብደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ተኻይዶም። ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተቐትሉ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

መንግስትን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ስልጣን ንምክፋል ስለዘይተሰማምዑ፡ ብመንጎኛ ካቶሊካዊት ቤተክስትያን ተበጺሑ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ስምምዕ ድማ ፈሺሉ ተሪፉ።

ተወሳኺ ዛንታ