ላውሮ ኣርሴናል ንቼልሲ ክትስዕር፤ ዩናይትድ እውን ዓወት ከምዝቐንዓ ይግምት

ኣርሴናል ንቼልሲን ክትስዕር እያ Image copyright Laurence Griffiths

ከም ግምት ላውሮ እንትዝኸውን፡ማንችስተር ዩናይትድ ካብ ሲቲ ብሓደ ነጥቢ ምበለፀት ነይራ። ኮይኑ ግና ካብ ዩናይትድ ብ15 ነጥቢ በሊፃ ክትቕመጥ ክኢላ እያ።

ፀዋታት ቅነ በዓል ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ እናቐፀሉ እዮም። ሶኒ ምሸት ኣብ ዝካየዱ ፀዋታት ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን ኣብ ሜድኣ እትፍተን እንትትኸውን፡ ኣርሴናል ንቼልሲ ክተተኣናግድ እያ።

ሰኑይ

ብራይተን ምስ በርንማውዝ

ጋንታታት ብራይተንን ቦርንማውዝን ኣብ ዝሃለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየድኦ ፀዋታታት እወንታዊ ነጥቢ ረኺበን እየን። ብራእተን ምስ ኒውካስትል ብመዓረ እንትፈላለያ፡ ቦርንማውዝ ንኤቨርተን ስዒራታ።

ዋላ እኳ ብራይተን ኣብ ሜድኣ ብዙህ ነጥቢ ናእ ምቑፃር ልምዲ እንተዘይሃለዋ፡ ንመጋጥምታ ነጥቢ ንክድብርዩ ትገብር እያ።

ግምት ላውሮ ፡ 1 - 1

በርንሌይ ምስ ሊቨርፑል

Image copyright BBC Sport

ሊቨርፑል ሸቶታት ናይ ምፍጣር ዓቕማ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጎልበተ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። ከቲንሆ፣ ፈርሚንሆ፣ ሳላሕን ማኔን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ብቕኣት ይርከቡ። ይኹን እምበር ኣቕሚ እታ ጋንታ ዘተኣማምን ኣይኮነን።

በርንሌይ ኣብ ሜድኣ ካብ ሞንጎ ዘካየደቶም 10 ፀዋታታት፡ 10 ሸቶታት ጥራሕ እያ ክተቑቭር ክኢላ። ሊቨርፑል ክትዕወት እያ ኢለ ድማ ይግምት።

ግምት ላውሮ፡ 0-2

ሌይስተር ምስ ሃደርስፊልድ

ሌይስተር ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝነበራ ግጥም፡ ፅቡቕ ተነሓኒሓ ነይራ። ክሎድ ፑየል ነታ ጋንታ ካብ ዝህዝዋ ንነዘ፡ ሌይስተር ፅቡቕ ተነሓናሂት ክተኸውን ክኢላ እያ።

ሃደርስፊልድ ድማ ብተኸታታሊ ግዜ ብመዓረ ነጥቢ ተፈላልያ እያ። ይኹን እንበር፡ ካብ ምውራድ ቀጠና ብምውፃእ፡ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትቕመጥ ክኢላ እያ።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 0

ስቶክ ምስ ኒውካስ

ብቐዳም ኣብ ዝነበረ ፀዋታ፡ ቼልሲ ንስቶክ ብሰፊሕ ኣፈላላይ 5-0 ረቲዓታ። ኣሰልጣኒ ማርክ ሂዩጌዝ ንፀዋታ ቼልሲ ልምዲ ዘይብሎም ተፃወትቲ እዮም መልሚሎም ነይሮም።

ጋንታ ኒውካስትል እውን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ክያዶ ኣይኮነትን ዘላ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ሞንጎ ዘካየደቶም ግጥማት፡ ኣርባዕተ ነጥቢ ጥራሕ እያ ረኺባ።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 1

ኤቨርተን ምስ ዩናይትድ

Image copyright BBC Sport

ሳም አላርዳይስ ነታ ጋንታ ካብ ዝሕዝዋ ንነዘ፡ ኤቨርተን ንፈለማ እዋን እያ ተሳዒራ፤ ኣብ ሜዳ ቦርንማውዝ።ኣላርዳይስ፡ መነሓንሕቶም ምጭናቕ ይኽእልሉ እዮም። ምስ ቼልሲ ኣብ ዝነበሮም ፀዋታ እውን እዚ ኢና ርኢና።

ዩናይትድ ድማ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀዋታት ብመዓረ ውፅኢት ተፈላልያ። ራሽፎርድ ብዙሓት ግጥማት ብምክያዱ፡ ደኺሙ እዩ ዝበሉ ሞሪንሆ፡ ሉካኩን ኢብራን ኣብ ጉድኣት ብምዃኖም፡ ንራሽፎርድ ከሰልፍዎ ከምዝኽእሉ ይግመት። እዚ ፀዋታ ብኣወት ከምዝክምብቱ ድማ ግምተይ እዩ።

ግምት ላውሮ ፡ 2 - 0

ሰሉስ

ሳውዝሃምፕተን ምስ ክሪስታል ፓላስ

ሳውዝሃምፕተን ምስ ዩናይትድ ብመዓረ ኣብ ዝተፈላለይሉ ፀዋታ፡ ኣብ ፅቡቅ ብቕዓት እዮም ነይሮም። ክሪስታል ፓላስ ግና ንሲቲ ክትስዕረሉ ዝነበረት ዕድል ብምምኻን ብመዓረ እያ ተፈላልያ።

ኣብ ናይ ሕዚ ፀዋታ ግና ሳውዝሃምፕተን ክትርታዕ እያ።

ግምት ላውሮ ፡ 1 - 0

ስዋንሲ ምስ ቶተንሃም

Image copyright BBC Sport

ካርሎስ ካርቫሃል ኣሰልጣኒ ስዋንሲ ኮይኖም ኣብ ዝተሾምሉ ፈላማይ ፀወትኦም፡ ካብ ሜድኦም ወፃኢ ዓወት ቀኒዕዎም ኣሎ።

ኣጥቃዒ ቶተንሃም ሃሪ ኬይን፡ ኣብዚ ፀዋታ ሰለስተ ሸቶታት ከቑፅር እንተኽኢሉ፡ ድሕሪ 71 ዓመታት ኣብቲ ሊግ ሰለስተ ተኸታታልቲ ፀዋታት ሃትሪክ ዝሰርሐ ተፃዋቲ ክኸውን እዩ።

ግምት ላውሮ፡ 0 - 3

ዌስትሃም ምስ ዌስት ብሮም

ኣብ ዘበን ዴቪድ ሞየስ፡ ዌስት ሃም ለውጢ ክተምፅእ ክኢላ እያ። ጋንታ ዌስት ብሮም እውን ንኣለን ፓርዲው ካብ ትቖፅር ንነዘ ዋላ እኳ ዓወት እንተዘይቐንዓ፡ ለውጢ ፀዋታ ኣርእያ እያ።

ግምት ላውሮ፡ 1 - 1

ማንችስተር ሲቲ ምስ ዋትፎርድ

Image copyright BBC Sport

ዋላ እኳ ሲቲ ብፓላስ ካብ ምስዓር ብሕንጢጥ እንተተረፈት፡ ሲቲ ብዘይ ስዕረት፡ ውድድር እዚ ዘበን ከምዘይኽምብቱ እግምት። ብፍላይ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጋርድዮላ፡ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣጥቃዓይ ክንፊ ከዕርፍዎ ይኽእሉ እዮም።

ሲቲ ብሓንቲ ጋንታ ስዕረት ክተተኣናግድ ከምትኽእል እየ ዝኣምን፤ ብዋትፎርድ ከም ዘይኸውን ግና ርግፀኛ እየ።

ግምት ላውሮ ፡ 4 - 0

ረቡዕ

አርሴናል ምስ ቼልሲ

Image copyright BBC Sport

ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዘበን ኣርሴናል ምስ ቼልሲ ዘካየደቶ ፀዋታ፡ ቼልሲ ዋንጫ ንክትዓትር ዓብይ እጃም ተፃዊቱ እዩ። ኣርሴናል ንቼልሲ 3-0 ድሕሪ ምስዓራ፡ ኮንቴ ኣሰለልፍኦም ብምቕያር፡ ብድሕሪኡ፡ ዝነበሩ ተኸታተልቲ 13 ግጥማት ረቲዖም እዮም።

ኣርሴናል ኣብ ሜድኣ እንትትፃወት፡ ፅቡቕ ብቕዓት እያ ተርእይ። ኣነ እውን ኣብዚ ፀዋታ ከም ትዕወት እየ ዝግምት።

ግምት ላውሮ፡ 2 - 1