ሰሜን ኮርያ፡ ዘተ ልኡኻት ኦሎምፒክ ናብ ደቡብ ኮርያ ክትልእኽያ'ያ

ቀለበታት ኦሎምፒክ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ሰሜን ኮርያ ክልተ ኣትሌታት ጥራሕ ኣብ ኦሎምፒክ ክረምቲ ዘሳትፎም መመዘኒ ኣማሊኦም

ደቡብ ኮርያ ኣብቲ ዝቕጽል ሰሙን ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ጉዳይ ጸወታታት ኦሎምፒክ 2018 ክትዝቲ ከምእትደሊ ገሊጻ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣን፡ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ጉጅለ ክልእኹ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ምግላጾም'ዩ ደቡብ ኮርያ ሕቶ ዘተ ኣቕሪባ ዘላ።

ክልቲኤን ኮርያ፡ "ቐልጢፈን ክራኸባን ክዛተያን ይግባእ" እዮም ኢሎም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ እዚ ሓሳብ ርክብ እተን ሃገራት ንምቕያር ዝሕግዝ "መቐይሮ ነጥቢ" ክብሉ ገሊጸሞ።

እቶም ፕረዚደንት ንካቢኔ ሃገሮም ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፡ ፕሮግራም ኒኩለር ሰሜን ኮርያ ኣካል ስፖርታዊ ዘተ እተን ሃገራት ክኸዉን ይኽእል'ዩ ኢሎም።

"ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምምሕያሽ ዝግበር ጻዕሪ ካብ ፕሮግራም ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ተነጺሉ ኣይኸይድን" ኢሎም ኣለዉ።

በዓል መን ክራኸቡ ይኾኑ?

ሚኒስትር ምዉህሃድ ደቡብ ኮርያ ቾ ምያንግ ዮንግ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘላ "ዞባ ሰላም" ዝተብሃለት ከባቢ ወከልቲ ክራኸቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም'ዮም።

እዚ ከባቢ፡ ብጽኑዕ ዝሕሎ ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነ ከባቢ እንትኾን፡ ኣብ ታሪኽ ኮርያዉያን ይዝተይሉ ዝነበረ ከባቢ'ዩ።

"ርክብ እተን ሃገራት ንምምሕያሽ፡ ልኡኻት ክልቲኤን ሃገራት ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ክዛተዩ'ዮም ኢልና ተስፋ ንገብር" ኢሎም።

ኣብቲ መጻኢ ሰሙን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ዘተ ግና በዓል መን ይሳተፉ ዝብል ነገር ኣይተፈለጠን።

ንመወዳእታ ግዜ መዓዝ ተራኺቦም ይፈልጡ?

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘሳተፈ ዘተ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ታሕሳስ 2015'ዩ ተኻይዱ ነይሩ።

ንህዝቢ ዕላዊ ብዘይኾነ ኣጀንዳ ግን ከይተሰማምዑ'ዮም ተፈላልዮም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ መልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት ኪም፡ ሃገሮም ንዘተ ድልዉቲ'ያ ዝብል ኣንፈት ሓባሪ ነይሩ

ኪም ጆንግ ኣን እንታይ'ዮም ኢሎም?

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ኣብ ናይ ሓዱሽ ዓመት መልእኽቶም "ንዘተ ድሉዋት ኢና" እንትብሉ ብዙሓት ተደኒቖም'ዮም።

"2018 ንኽልቲኤን ኮርያ ወሳኒት ዓመት'ያ" ኢሎም'ዮም እቶም ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ መበል 70 ዓመታ ተኽብረሉ፡ ደቡብ ኸኣ ኦሎምፒክ ተተኣናግደሉ ዓመት ስለዝኾነ ብምባል።

"እቲ ዝተኻረረ ርክብ ሰሜንን ደቡብን ክነዝሕሎ ይግባእ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ፍሉይ ዝኾነ ዓመት ክነሕልፍ ኣለና" ኢሎም።

ኣብቲ ጸወታ መን'ዩ ክሳተፍ?

ብወገን ሰሜን ኮርያ ክልተ ኣትሌታት ጥራሕ'ዮም መመዘኒ ረቛሒ ኣማሊኦም ናብቲ ኦሎምፒክ ዝሓለፉ።

እንተኾነ እዞም ኣትሌታት ክሳተፉ ድዮም ኣይሳተፉን ዝብል ፍቃድ ኣብ ምሃብ ሰሜን ኮርያ ስለዝዘንግዐት፡ ካብ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብዝቐርበሎም ዕድመ'ዮም ክሳተፉ።

ፕረዚደንት መተሓባበሪት ኮሚቴ ጸወታታት ሰሜን ኮርያ ሊ ሂ-ቢኦም ንማዕኸን ዜና ደቡብ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ሰሜን ኮርያ ትሳተፈሉ ዓቕሚ ከምዘሎ ምርኣዮም ከምዘሐጎሶም ብምግላጽ፡ እዚ" ህያብ ሓዱሽ ዓመት'ዩ" ኢሎም።

ሰሜን ኮርያ ቅድም ኢሉ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ተሳቲፋ ነይራ'ያ። ኣብ 1988 ኣብ ዝነበረ ኦሎምፒክ ተኣጊዳ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት