እስራኤል፡ ካብታ ሃገር ዘይወፅኡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክእሰሩ እዮም

ተቃውሞ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ተቃውሞ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ካብታ ሃገር ንክወፅኡ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ዕጫ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፅበዮም ኣጠንቒቑ።

እቶም ስደተኛታት፡ 3,500 ዶላር (2,600 ዩሮ) ተዋሂብዎም ኣብ ዝቕፅሉ 90 መዓልታት ካብታ ሃገር ክወፅኡ መምርሒ ቀሪቡ ኣሎ።

ናብ ሃገሮም ወይ ድማ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንክኸዱ ኣማራፅታት ቀሪብሎም።

መንግስቲ እስራኤል፡ ነዚ ሕጊ ብምኽባር ካብታ ሃገር ዘይወፅኡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ከምዝኣስር ኣጠንቂቑ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እዚ ኣካታዒ ትልሚ፡ ንዓለም ለኸ ሕግ ዝጥሕስን ሕጊ እስራኤል ዘየኸብር ክብል ኮኒንዎ።

እስራኤል፡ ምምላስ እቶም ስደተኛታት ሰብኣውን ወለንታውን እዩ ኢላ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ እስራኤል ካብ ሞንጎ ዘለዉ ስደተኛታት ልዑል ቁፅሪ ይሕዙ። እታ ሃገር፡ ኣብ ስደተኛታት ንዘውፅኣቶ ሕጊ ድማ እናተቓወምዎ እዮም።

ወሃቢ ቃል በዓል ስልጣን ጉዳያት ህዝብን ስደተኛታትን እስራኤል ንቢቢሲ ከምዝገለፆ፡ ኣብታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን 38 ሽሕ "ሸሊኾም ዝኣተዉ" ስደተኛታት ከምዝርከቡን፡ እቶም 1420 ኣብ መዳጎኒ ከምዝርከቡ ገሊፁ።

እስራኤል ኣብታ ሃገራ ንዝርከቡ ስደተኛታት "ገበነኛታት" ዝበለቶም፡ ዶብ ብምጥሓስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተዉ ስደተኛታት እያ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመፅኡ እንትኾኑ፡ ብዙሓት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ዘይምዕሩይ ነባራዊ ኩነታትን ጎንፅን ብምህዳም ዑቕባ ዝሓቱ'ዮም'ኳ እንተበሉ ሰበ ስልጣን እስራኤል ግን ከም ቁጠባዊ ፈለስቲ ይርእይዎም።

ቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቤንያሚን ኔታንያሁ እውን፡ ፍንው ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ንባህሪ ኣይሁድ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ምባሎም ይዝከር።