ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ፍልስጤም ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ጠጠዉ ክብል ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶናልድ ትራምፕ ንፍልጤም ዝወሃብ ሓገዝ ጠጠዉ ክብል'ዩ ኢሎም

ንሰላማዊ ዘተ ቅሩባት ንዘይኾኑ ፍልስጤማዉኣን ዝወሃብ ሓገዝ ኣሜሪካ ጠጠዉ ክተብሎ ትኽእል'ያ ኢሎም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ።

ኣብ ትዊተር ገጾም ከምዘስፈሩዎ፡ ኣሜሪካ ብትህቦ ሓገዝ ካብ ፍልስጤም "ናእዳን ክብርን" ረኺባ ኣይትፈልጥን ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ እየሩሳሌም ዝሃቡዎ መካትዒ ኣፍልጦ ንዘተ ሰላም እተን ሃገራት "ካብ ዙርያ ጠረጴዛ ክለዓል" ምኽንያት ኾይኑ'ዩ።

ፍልስጤም፡ ኣሜሪካ ንእየሩሳሌም ዝሃበቶ ኣፍልጦ ርእሰ ከተማነት፡ እታ ሃገር ዘይሻራዊት መዛተይት ክትኸዉን ከምዘይትክእል መላኽት'ዩ ኢላቶ'ያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓመድ ዓባስ ኣሜሪካ ተቕርቦ ሓዱሽ እማመ ሰላም ማእኸላይ ምብራቕ ኣይንቕበልን ኢሎም'ዮም።

ኣሜሪካ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ገይራ ከምትቕበላ ዝሃበቶ መግለጺ፡ 128 ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝተቓወምኦ ዝዝከር እዩ።

ከተማ እየሩሳሌም እስራኤልን ፍልስጤምን ዝዋጠጣላ እንትኾን፡ ኣብቲ ዞባ ምኽንያት ጎንጺ ክኸዉን ይኽእል'ዩ እናተብሃለ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንእየሩሳሌም ኣፍልጦ ሂበ'የ ኢሎም'ዮም።

ኣሜሪካ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዘሎ ኤምባሲኣ ከይተረፈ ናብ እየሩሳሌም ከምተዛዉር ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ዓባስ፡ "ኣሜሪካ ንሰላም ኣብ ዝካየድ ዘተ እምንቲ መዛተይት ክትከዉን ከምዘይትኽእል ኣርእዩና" ኢሎም ንዉሳነ ትራምፕ እንትገልጹ፡ እየሩሳሌም ድማ "ዘለኣለማዊት ርእሰ ከተማ ፍልስጤም'ያ" ዝብል መግለጺ ሂቦም።

ናይ ትዊተር ጽሑፍ ትራምፕ ስዒቡ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ፡ ኣሜሪካ ፍልስጤማዉያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣሜሪካ ንኤጀንሲ ሓገዝ እቲ ዉድብ ትህቦ ገንዘብ ጠጠዉ ክተብል'ያ ኢለን።

እቲ ኤጀንሲ ፕሮግራማት ትምህርቲ፣ ጥዕናና ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘመሓድር ኮይኑ ኣሜሪካ ኣስታት 370 ሚሊዮን ዶላር ተወፊ።