''መንግስታት፡ ሃገርን ህዝብን ንዘልኣለም ብኹራ ኣሲሮም ክነብሩ ኣይኽእሉን"

ንዘተ ሰላም ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተዳለወ ስእሊ ሰንደቕ ዕላማ እተን ሃገራት Image copyright Peace song for Ethio- Eritrea
ናይ ምስሊ መግለጺ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንኻር መድረኻት ዘተ ሙሁራትን መናእሰይን ይካየዱ ኣለዉ

1998 ክሳብ 2000 ኣቆጻጽራ ኣዉሮጳዉያን፡ ክልተ ድኻታት ሃገራት ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኲናት ዝኸፈታሉ እዋን ነይሩ። 70 ሽሕ ዝጽግዑ ዜጋታት ዘህለቐ ደም ዝተፋሰሶ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፈደዮ ነገር የለን።

ንዝሓለፉ ልዕሊ 15 ዓመታት 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ኾይኑ ዝመጸ ሃዋህዉ እዘን ሃገራት፡ ዝሓርፈፈ ርክበን ዝመሓየሸሉ ምንቅስቓስ መንግስታት ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝመርሑዎ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ብኽልቲኡ ወገን፡ ህዝቢ ዘይነጸረሉ ግን ድማ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ዝሓየለ ኣፈላላይ እናጎልሀ፡ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ርክብ ህዝብታት እዘን ሃገራት ተገዲቡ መጺኡ።

እዞም ጸገማት ካብ መሰረቱ'ኳ እንተዘይኾነ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ተፈቲሖም ሰላማዊ ዝኾነ ርክብ ህዝቢ ንህዘቢ ክህሉ ዝገብሩ ስሩዓትን ስሩዓት ዘይኾኑን መድረኻት ብምድላዉ ምይይጣት እናተኻየዱ መጺኦም።

መናእሰይ ኣብዚ ጉዳይ ብማሕበራዊ ድረ ገጻት እናተዛተዩ፡ ትኹረት ሙሁራትን ፖለቲከኛታትን ክረኽቡ እናነጠፉ ይርከቡ።

ኣብ ሕሉፍ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ስሩዓት ዘይኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዉሮፓ ዝርከቡ ሙሁራት፣ ጋዜጠኛታትን መናእሰይን ዝተሳተፉሎም፣ ርክብ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ፣ ብኣዉርኡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ እዘን ሃገራት ዝምድንኦም ንምጥንኻርን ሓድነታዊ ኣተሓሳሰስባ ክፍጠርን ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝመፅአ ኣካል እዞም መድረኻት ዝኾነ መንእሰይ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

ናበይ'ሞ ኣበለ?

ዓለም ለኻዊ ስግኣታት ካብ ፀጥታን ደሕንነትን ኢትዮጵያዉያንን ኤርትራዉያንን ተነጺሎም ዝረኣዩ ጉዳያት ስለዘይኾኑ፡ ኢትዮጵያዉያንን ኤርትራዉያንን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ሰላም ክህሉ፡ ክኸዉን ኣለዎ ዝብልዎ ሓሳብ ናብ ሓደ መኣዲ ንምቕራብ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣባል ኮሚቴ ኤርትራዊት ሽማግለ ህዝባዊ ተበግሶ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣይተ ይስሃቅ ዮሴፍ፡ እዚ ተበግሶ ንቕሓት ህዝቢ ብምዕባይ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝበጽሐ ፅልዋ ፈጣሪ ሓፋሽ ንምፍጣር'ዩ ይብሉ።

"ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ መሰረታዊ ድሕረ ባይትኡ እንታይ ከምዝኾነ ዘነፅሩ ሙሁራትን መናእሰይን ክልቲኤን ሃገራት ዝሓወሱ መድረኻት ዘተ ተጀሚሮም ኣለዉ። ብዋናነት ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ሓበራዊ ኣረዳድኣ ክፍጠር ስለዘለዎ፡ ህዝቢ ትኹረት ገይርኻ ክስራሕ" ይብሉ።

ብመንግስታት ዝተፈጠረ ፀገም ነቲ ህዝቢ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብር ማሕበረሰብ ዚያዳ ከምዝጎድኦ ዘልዓሉ ኣይተ ይስሃቅ፡ ኣብ ሕሉፍ መንግስታት እዘን ሃገራት ኾነ ፀቕጢ ከሕድር ዝኽእል ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክዕወቱ ኣይከኣሉን ይብሉ።

ህዝቢ ንህዝቢ ዘቀራርብን ሰላም ዝፈጥርን ሃዋህዉ ምፍጣር ቀንዲ ዕላማ እዚ መድረኽ'ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር መድሃኒዬ ታደሰ፡ ሙሁራት ዝርርብ ከካይዱ ስለዝግብኦም እቶም ዘፈላልዩ ጉዳያት ብምንፃር፡ መጻኢ ዕድል እቲ ህዝቢ ክዉስኑ ዝኽእሉ ከባብያዊ ጉዳያት ስለዘለዉ ፈቲሽኻ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ዝምለሰሉ ብርኪ ምብጻሕ'ዩ ይብሉ።

"ሰላም ልዕሊ ኹሉ'ዩ። ሕዚ እናደፍኡ ይመፅኡ ዘለዉ ስግኣታት ከይሓልኹና ድማ፡ ህዝቢ ንህዝቢ ኣቀራሪብኻ ሰላም ምፍጣር ኣገዳሲ'ዩ" በሃሊ'ዮም ፕሮፌሰር መድሃንዬ።

መንግስታት ኣብ ልኢ እናሃለዉስ'ኳ ዕርቂ

"ክልቲ ህዝቢ ኣብ ፀገም'ዩ ዘሎ" ዝብሉ ሙሁር ታሪኽ ገብረኪዳን ደስታ፡ ፅልኢ ዘይብሉ ህዝቢ ብፖለቲካዊ ጉዳይ ክእሰር ከምዘይብሉ ይዛረቡ።

"እቲ ዘይምውዳድ ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት'ዩ ዘሎ። ህዝቢ ሰላም ክረክብን ብማሕበራዉን ቁጠባዉን ጉዳያት ክራኸብን ኣለዎ። ዋጋ ሰላም ክባር ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ጉዳይ ቂመኛ ዝኾነ መንግስቲ ክህሉ ኣይግብኦን" ይብሉ መምህር ገብረኪዳን።

ካልእ ተሪፉ ግና፡ ብባህሊ፣ ዶብን ታሪኽን ዝተኣሳሰሩን ዝራኸቡን ህዝብታት፡ ክልተ ማዕዶ ኾይኖም ክተርፉ የብሎምን ኣብ ዝብል ብዙሓት ይሰማምዑ።

እቲ ምጥምማት ማዕዶ ንምፍታሕ ሙሁራዊ እጃሞም ንምብርካት ይንቀሳቐሱ ዘለዉ ዜጋታት እዘን ሃገራት፡ መንግስታት እንተዝዕርዩ ኩሉ ነገር ከቀላጥፉዎ ምኽኣሉ ይብሉ።

Image copyright Abrham
ናይ ምስሊ መግለጺ ሙሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ሕዱር ፀገም እዘን ሃገራት ነቲ ህዝባዊ ርክብ እናጎደኦ ክቕፅል የብሉን ይብሉ።

ፕሮፌሰር መድሃንዬ ኣካል እዚ ሓሳብ'ዮም። መንግስታት ጉዳይ ምሕዝነታዊ ርክብ እቲ ህዝቢ ሸለል ምስ ዝብሉዎ፣ ምስ ዝደኽሙ፣ ዝሽገሩ ወይ ዕንቅፋት ምስ ዝኾኑ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ብሕታዊ መማረፂ ከምዝኾነ የቐምጡ።

"ንግዳዊ ርክባት፣ ሙዚቃ፣ ስፖርትን ካልኦት ስራሕቲ ኪነትን መግለፂ ህዝባዊ (ፐብሊክ) ዲፕሎማሲ'ዮም። ብፍላይ ስፖርት ፅቡቕ ኣብነት ፐብሊክ ዲፕሎማሲ'ዩ። ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ስፖርት ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ክንጸባረቕ ንዕዘብ ኢና። ኣባና እዚ'ዩ ዘየለ" ይብሉ።

መንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ብምኽንያት እቲ ዝኣተወኦ ኲናት ኣብ ኹራ ምህላዮም ግሁድ ሓቂ'ዩ ዝብሉ ተንታኒ ፖለቲካን ኣካያዲ ስራሕ ኤፍ ኤም ዛሚን ኣይተ ዘሪሁን ተሾመ፡ ሕዚ ግና "እቲ ኹራ ባዕሉ መንግስታት ዘኾረዮም ይመስል" ይብሉ።

እዚ ሒዝኻ ዕጫ ህዝቢ ንምቕፃል ዘየዋፅእ እናኾነ ይመፅእ ስለዘሎ እዚ ናይ ህዝቢ ድፍኢት እንተሃልይዎ፡ እቶም መንግስታት ጠጠዉ ኢሎም ክሓስቡ ይገብሮም'ዩ ይብሉ።

"እዞም መንግስታት ሃገርን ህዝብን ንዘልኣለም ብኹራ ኣሲረሞ ክነብሩ ኣይኽእሉን። ዶብን ነታጒን ረጊፁ ዝቀራረብ ዝነበረ ህዝቢ ሕዚ፡ ኣብ ዶብ ከባቢታት ሰፊሩ ሓዘኑ፣ ሓጎሱን ካልእን ይካፈል የለን። ስለዝኾነ እዚ ምኩርራይ ይኣክል'ዩ ክበሃል ዘለዎ" ብምባል የስምርሉ።

ንህልዉና ህዝቢ ዝፍትኑ ስግኣታት ፀጥታን ድሕንነትን ይጥጥዑ'ዮም ዘለዉ ዝብሉ ኣይተ ይስሃቅ ብወገኖም፡ ቐጠናዊ ዉህደት ንምፍጣር ዝሕግዝ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ሰላማዊ ሃዋህዉ ክፍጠር ከምዘለዎ የስምርሉ።

ሙሁራት እዘን ሃገራት ጀሚሮሞ ዘለዉ ምንቅስቓስ ድማ፡ መንግስታት ዘይደለይዎ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ምርኻብ ዘይኾነ መበኣሲ ጉዳይ እንታይ ነይሩ፣ ታሪኽን መፃኢ ዕድልን እዞም ህዝብታት እንታይ ይመስል? ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ምርድዳእ ፈጢርኻ ናብ ህዝቢ፡ ቐፂሉ ድማ ጥርኑፍ ምኽረ ሓሳብ ሒዝኻ ናብ መንግስታት ምቕራብ'ዩ።

ስግኣታት መኢ ዕድላት

ንሽሙ፡ እዘን ሃገራት ዝኣተወኦ ኲናት ጠጠዉ ኢሉ'ዩ ዝበሃል'ኳ እንተኾነ፡ መንግስታት ነንሕድ ሕዶም ካብ ምጥምማት ዓዲ ኣይወዓሉን። እዚ ኩነታት፡ ህዝቢ ኣብ መዋጥርን ጭንቅን ዘጥሓለን'ዩ ተባሂሉ ይግለፅ።

ንሕና ዘራኽበና ኣጀንዳ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና ዝብሉ ፕሮፌሰር መድሃንዬ፡ ኣንፀላልዮም ዘለዉ ሓደጋታት ከይዉሓጡና ርክብ ህዝቢ ናብ ዝነበሮ ክምለስን ሰላም ክወርድን ኣለዎ ዝብል ምኽረ ሓሳብ ኣለዎም።

"ከበድቲ ሓደጋታት የንፀላልዩና'ዮም ዘለዉ። ኣብ መወዳእታ ከምዚ ኢልና ክንቕፅል የብልናን መጀመርትኡ'ዉን ኣብዚ ክንበፅሕ ኣይነበረናን ዝብል ጥሙር ሙሁራዊ ኣረዳድኣ ብምሓዝ ናብ ህዝቢ ክነቕርብ ኢና"።

ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብባህሪኡ ንዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዉን ሰብ ዝመርሖም ሓደጋታትን ዝተቓልዐ፣ ስግኣት ፀጥታ ዝንፀባረቖ፣ ስደትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዝፍትንዎ ዞባ'ዩ። ሓደ ካብ ታሪኽ ጀሚሩ ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሑ ናይቲ ከባቢ ሓደጋታት ከምዘለዉ ዘልዕሉ እቶም ፕሮፌሰር፡እቲ ህዝቢ ናይ ባሕሪ፣ ሩባ ኣባይ፣ ቀቢላት (ብሄራት)፣ ዶባት፣ ታሪኽ፣ ባህልን ጂኦግራፍን እሱር'ዩ ይብሉ።

"ንብዙሕ ሽሕ ዓመታት ዝቐፀሉ ፀገማት ፀጥታ፣ ከባቢ ኣየር፣ ግብረ ራዕድን ኣኽራርነትን ኣብቲ ዞባ ኣለዉ። እዚኦም ብሓደ መንግስቲ ወይ ወለዶ ዝፍትሑ'ኳ እንተዘይኾኑ፡ ሕዚ ነቲ ከባቢ ብዝተፈላለየ መገዲ ክደፍኡዎ ዝኽእሉ ፀገማት ይመፅኡ ኣለዉ። ፀገም እዘን ሃገራት እንተዘይተፈቲሑ ከኣ ዝኸፍአ ይኸዉን"።

ካብዚ ሓሊፉ ግና ይብሉ እቶም ሙሁር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ዞባ ምትእትታዉ ዓለማዊ ሓይልታት ጎሊሁ ይረአ ኣሎ ይብሉ ። እዚ ዓቕሚ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ኣቕሂሙ፡ መፃኢ ዕድላቶም ዘይዉንንሉ፣ ዘይዉስንሉ ባይታ ክፈጥር ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

እዚ ርኢና ነቲ ዝመፅእ ወለዶ ተዘራሪብና ሓደ ኣንፈት ክነትሕዝ ኣለና ዝብል ድማ ዕላማ እቲ ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ይገልፁ።

Image copyright Abrham
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘተ ሰለም ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ንምንታይ ሕዚ?

ከባቢያዊ ሓደጋ እናኸፍአ ብምኻዱ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሕሰበሉ ኣለዎ ዝብል ሙሁራዊ ምልዕዓል ክፍጠር ከምዝገበረ እቶም ሙሁራትን ተንተንትን ይዛረቡ። ዓለማዊ ኩነታት እናተቐየረ ተደራቢ ዝኾነ ከባቢያዊ ሓደጋታት የንፀላልዉ ምህላዎም ሸለል ክበሃል ኣይግብኦን በሃልቲ'ዮም።

እዚ ዘተ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ እዘን ሃገራት እንተኾነ ቅድም ኢሉ ክጅመር ምተገብኦ ዝብሉ ኣይተ ዘሪሁን ብወገኖም፡ ድሕሪ ክልቲአን ሃገራት ዝኣተወኦ ኲናት ዝተፈጠረ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ዝኾነ ሃዋህዉ፡ ንርክብ ህዝቢ ንህዘቢ ከምዘይጠቐሞ ብምግላፅ፡ "ኣብ ዓለም ይዓቢ ዘሎ የማናይ ክንፊ ዝመርሖ ፖለቲካ ዝፈጥሮ ስሕበት ዓቕሚ፡ ኣብቲ ዞባ ቀጥታዊ ኢድ ኣእታዉነት ዘይፈቅድ ስለዝኾነ ንሕና ናይ ባዕልና ጉዳይ ባዕልና ክንርኢ ኣገዲዱና'ዩ ይብሉ።

ብኻልእ ወገን ኢሎም ፕሮፌሰር መድሃንዬ፡ "መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝገብረዎ ፃዕሪ ተስፋ ዘቑርፅ ኮይኑ፡ ክፈትሕዎ ኣብ ዘይኽእሉ ብርኪ'ዮም በፂሖም። ዓበይቲ ሃገራት'ዉን እንተኾና እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘለወን ዓቕምን ድሌትን እናሞተ፣ ህዝቢ ዘጥፍእ ፖለቲካዊ ቅልዉላዉን ስለዝመፅአን ሓደጋ ምፅናት ህዝቢ የጋጥም ስለዘሎ፡ ከም ቀደም ንመንግስታት ኣይንፅበን፡ ዓለማት'ዉን ደኺሞም ገዲፎሞ'ዮም" ክብሉ ንምንታይ ሕዚ ንዝብል የብርሁ።

እዚ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ዝኾነ ኩነታት እዘን ሃገራት፡ እቲ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ብዓብይኡ ዝሃሰዮ'ኳ እንተኾነ፡ ሱር እዚ ፀገም ግና ሰፊሕ'ዩ። ሕዚ እቲ ጸገም፡ ብብርኪ ኣህጉር'ዩ ተመጢጡ ዝመጸ'ዩ። ህዝቢ እዘን ኣብ ምትፍናን ዘለዋ ድካታት ሃገራት እንተይሓቢሩን እንተዘይጠንኪሩን ቑጠባዉን ከባብያዉን ሓድነት እንተዘይፈጢሩን ኣብ ቀጻሊ ተጨፍላቒ'ዩ።

"እዚ ሓደጋ ብኸባቢ'ዩ ይመጽእ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓርሱ ፈቲሹ ጸገሙ ፈቲሑ ባዕሉ ዝመርሖ ሓደ ዓይነት ፖለቲካል ማሕበረሰብን ምፍጣር እንተዘይኽኢሉ ክጭፍለቕ። ካልእ፡ ኩነታት ባህሊ፣ ጸጥታን ስልጣነን እናጠፍአ'ዩ ይመጽእ ዘሎ። ስለዝኾነ እዚ ህዝቢ፡ ጸገሙ ፈቲሑ ንቕድሚት ዝኸደሉ ኩነታት ምፍጣር ወሳኒ'ዩ" ብምባል ነዚ ሓሳብ የጠናኽሩ።

እዚ ጉዳይ ርክብ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ክብተኽ ካብ ምግባሩ ክርከብ ዝግበኦ ዝነበረ ቑጠባዊ ተጠቃምነት ኣስኢኑ'ዩ ዝብሉ ኣይተ ዘሪሁን፡ "ኣብ ሞንጎ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ቀጥታዊ ዝኾነ ልዉዉጥ ንግዲ ከይህሉን ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ናብዞም ከባቢታት ከይኸይድን ብምግባር እቲ ከባቢ ጎዲኡዎ'ዩ። ስለዚ እዚ ተሸኪምኻ ምኻድ ኣድላዪ ከምዘይኾነ መንግስታት ተረዲአሞ ናብ ዓቕሚ መዕበዪ ስምምዕነት ክቕይርዎ ጸቕጢ ንምሕዳር'ዩ" ይብሉ።

"ስርዓትን መንግስትን ሓላፊ'ዩ"

መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘይተዓወተሉ ጉዳይ ህዝቢ እናጎድአ ክቕጽል የብሉን ይብሉ እዞም ሙሁራት።

ቀደሙ'ዉን ህዝቢ ጽልኢ የብሉን ዝብል እምነት ዘለዎም መምህር ገብረኺዳን ደስታ፡ ህዝቢ ሰላም ክሕሰም የብሉን ይብሉ።"ምስ ህዝቢ ሱዳን፣ ኬኒያ ኾነ ካልእ ዘይተብኣሰ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዘቢ ኢትዮጵያ ክብኣስ ኣይኽእልን። ህዝቢ ንህዝቢ ዘራኽብ ባይታ ግና መሊሱ ክፍጠር ኣለዎ፡ ሰላም'ዩ ዝረብሓና" ኢሎም።

ኣባል ኮሚቴ ኤርትራዊት ሽማግለ ህዝባዊ ተበግሶ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣይተ ይስሃቅ ዮሴፍ ብወገኖም፡ "ህዝቢ ጉዳየይ ኢሉ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝካየዱ መድረኻት ክሳተፍ ኣለዎ። ዉሽጣዊ ምክፍፋል ኤርትራዉያን ይኣክል። ህዝቢ ባዕሉ መሪሕ እንተድኣ ኾይኑ፡ ዘይሰምዕ መንግስቲ ኣይክህሉን" ይብሉ።

ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ድምጺ ናብ መንግስታት እንትቐርብ ቕቡል ዘይኾነሉ ዕድል ከምዘየሎ ብምግላጽ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነትን ጥንካረን ፈጢርኻ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዘሎ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝፍትሐሉ፡ ጎነጽ ዝእለየሉ ዓቕሚ ክህሉ በዓል ዋንነት ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

"ስርዓትን መንግስታትን ሓለፍቲ'ዮም፡ ህዝብን ሃገርን ግና ክቕጽል'ዩ" ኹራን ቂምን ዝሕደገሉ ኩነታት ክመጽእ ኣለዎ። እዚ ጸገም ኣብ ከይዲ ዝፍታሕ ስለዝኾነ፡ መጻኢ ዕጫና ዘበላሽዉ ጸገማት ንምእላይ ሕዱር ኩነታት እዘን ሃገራት ክንልዉጥ ይግባእ" ዝብል ሓሳብ ኣለዎም ኣይተ ዘሪሁን።

ፕሮፌሰር መድሃንዬ ኣብ ህልዉን መጻኢ ዕድላትን ህዝቢ እዘን ሃገራት ዘለዎም ትንታነ እንተጠቓልሉ፡ "ብሸለል መለልንን ስትራቴጂካዊ ኣተሓሳስባ ብዘይምህላዩን ክንደይ ስልጣነ ጠፊኡ'ዩ። ድሕሪ ሕዚ፡ ህዝቢ ቑጠብኡ፣ ባህሉ፣ ታሪኩ፣ መሪሕነቱ ክዕቅብ ይግበኦ። ክልቲኦም መንግስታት ናብ ስልጣን እንትመጹ ዘይተዘራረብሉ፣ ዘይፈተሽዎ ጸገም ስለዘሎ ድማ እቲ ክፍተሽ''ዩ" ይብሉ።