ሰሜን ኮርያ ኣብ ጉዳይ ኦሎምፒክ ንምዝታይ ምስ ደቡብ ተቋሪጹ ዝነበረ ርክብ ስልኪ ጀሚራ

ሰሜን ኮርያ ተቐወሪጹ ዝነበረ ርክብ ስልኪ ጀሚራ Image copyright EPA

ሰሜን ኮርያ ብትእዛዝ ኪም ጆንግ ኣን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዓጺያቶ ዝነበረት ምስ ደቡብ ኮርያ ዘራኽባ መስመር ስልኪ ኸፊታ።

ደቡብ ኮርያ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተገበረ ፃዉዒት ስልኪ ከምዝበጽሓ ድማ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ኣብዚ ሰሙን ምስ ደቡብ ኮርያ ክዛተዩ ቅሩብ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም'ዮም።

ሕዚ ኣገልግሎት ክጅምር ተገይሩ ዘሎ መስመር ስልኪ ኣብቲ ዝቕጽል ወርሒ ብዛዕባ ዝካየድ ኦሎምፒክ ንምዝታይ'ዩ።

ክልቲኤን ኮርያ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ተዛትየን ኣይፈልጣን። ኣብዚ ግዘ ሰሜን ኮርያ ምስታ ሃገር ዘራኽባ መስመር ስልኪ ክቋረጽ ገይራ'ያ።

ደቡብ ኮርያ ሕዚ እቲ መስመር ስልኪ ከምዝተኸፈተ ብተሌቪዥን ሃገራ ኣቢላ ዕላዊ ጌይራቶ ኣላ።

"እዚ ኣብ ዝኾነ ግዘ ክንዘራረብ እንክእለሉ ዕድል ዝፈጥር'ዩ" ክብሉ ድማ ፕረዚደንት ሙን ጃ ኢን ተዛሪቦም።