ኣየነዎት ሃገራት እየን ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ዝዛረባ ዘለዋ?

ኪም ጆንግ ኣን ኣብ ወታሃደራዊ ሰልፊ Image copyright Getty Images

ተጻባኢ ባህርይ ሰሜን ኮርያ በብመዓልቱ ይዉስኽ'ዩ ዘሎ። ሰሜን ኮርያ ኣብ 1948 ካብ ትፍጠር ናብዚ፡ ምስ ልዕሊ 160 ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝፈጠረት እንትትኾን፡ 55 ኤምባሲታትን ቆንስላታትን ኣብ 48 ሃገራት ኸፊታ'ያ።

ዉሑዳት፡ ግን ድማ ትርጉም ዘለወን ብሪጣኒያ፣ ጀርመንን ስዊድንን ዝርከብአን 25 ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ኣለወን፡ ኢንስቲትዩት ሎዊ ከምዝሕብሮ።

ጎረባብታ ዝኾና ቻይናን ሩሲያን ምስ ሰሜን ኮርያ ቀዲመን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝሃነጻ ሃገራት'የን። ሕዚ ኣሜሪካ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘለዋ ኣምባሳደራ ኒኪ ሃሌይ ኣቢላ፡ ኩለን ሃገራት ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለወን ርክብ ክበትኻ ጸቕጢ ተሕድር ኣላ።

ካብ ሞንጎ እተን ምስታ ሃገር ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክበትኻ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣምሳደራተንን ልኡኻተንን ብምልዓል ስጉምቲ ምዉሳድ ዝጀመራ ሃገራት፡ ስፔይን፣ ኩዌት፣ ፔሩ፣ ሜክሲኮ፣ ጥልያንን ሚያንማርን'የን።

ፖርቹጋል፣ ኡጋንዳ፣ ሲንጋፖር፣ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስን ፍሊፕንስን ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበረን ርክብ ኣቋሪጸን ኣለዋ። እዚ'ዉን ኮይኑ ግና ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዓለም ዘለዋ ልኡኽን ተተኣናግዶምን ይዕጸዉ'ዮም ማለት ኣይኮነን።

ዉሑዳት ሃገራት፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለወን ርክብ ክቕፅል ዝገበራ ኮይነን፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት፣ ሓይሊ፣ ሕርሻን ኻልኦትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ዘተታት የካይዳ ኣለዋ።

ይኹን'ምበር እታ ሃገር ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ በብግዚኡ እናነከየ'ዩ ይመጽእ ዘሎ።

ኣብ ትካል ምትሕብባር ቁጠባን ልምዓትን ኣባላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ካብ ሞንጎ ዝኾና 35 ሃገራት፡ እተን 6 ጥራሕ እየን ምስዛ ሃገር ምትሕብባር ዘለወን።

ኣሜሪካ ኮነት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ምስ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ነይሩወን ኣይፈልጥን። እዚ ማለት ኣሜሪካን፡ ናይ ቀረባ ሃገራት ኤዥያ ካብ ሰሜን ኮርያ ንዝመጽእ ሓበሬታ ካብ ካልኦት ሃገራት እየን ዘረኽባ።

ካብ ሃገራት ጀርመን፣ ብሪጣኒያን ስዊድንን ዝመጽእ ሓበሬታ እየን ዝጥቀማ። እዘን ሃገራት፡ ኣምባሳደራተን ካብ ምጽዋዕን ኣብ ርእሰ ከተምአን ዝነበረ ኤምባሲ ሰሜን ኮርያ ካብ ምዕጻዉ ዝተቖጠባን እየን።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ሚሳይል ዘወንጨፈትሉ መዓልቲ፡ ከም ታሪኻዊ ፍፃመ ተኽብሮ

ሰሜን ኮርያ ኣብ ኤዥያ፣ ኣዉሮጳ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘለዋ መስመር ልኡኽ ተጠቒማ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነበረላ ማዕቐብ ንምስዓር ብሕጋዉን ዘይሕጋዉን መገዲ እቶት ትረኽበሉ ባይታ ኣብ ምምችቻዉ'ያ ትርከብ።

እቶም ኤምባሲታት፡ ብኣብዝሓ ባዕሎም ፈንድ ዘተኣኻኽቡ ኮይኖም ብተደጋጋሚ ሕጋዊ ንዘይኾነ ተግባሮም ተኸሲሶምሉ'ዮም። ልኡኻት ሰሜን ኮርያ ዘተኣናግዳ ሃገራት ኣዉሮፓ፡ ህንጻታት ኤምባሲ እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መገዲ ንሸቐጣትን ሰብ ሃፍትን ክካረዩ ስለትገብር ክቃወማ ጸኒሐን'የን።

ንሰሜን ኮርያ ታሪኻዊ ርህራሀ ዘለዋ ፓኪስታን፡ ኣብ መንበሪ ዲፕሎማት ሰሜን ኮርያ ኣብ ስርቂ ይሳተፉ'ዮም ብዝብል ጥርጣረ'ያ ትሪኣ። ኤጀንሲታት ስለላ ክልቲኤን ሃገራት ሓደ ነቲ ሓደ ንሓለፍቲ ስራሕ እተን ሃገራት ብዓይኒ ጥርጣረ'ዩ ዝሪኦ።

ጉዕዞ ዲፕሎማት ብጥቡቕ ይቆፃፀርዎ። ሰሜን ኮርያ ብወገና፡ ክንቀሐሎም ይኽእል ይኸዉን ብዝብል፡ ብከቢድ ስለላ'ኣ ትከታተሎም። እዞም ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ድኣ እንታይ ኣዐዊቱ?

ንከም ኵባ፣ ቬንዙዌላን ላኦስን ዝበላ ሶሻሊስትን ኮምዩኒስትን ሃገራት፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ርክብ ምምስራት፡ ሓባራዊ ስነ-ሓሳባዊ ሓገዝ ምምጻእ ዝብል ትርጉም ኣለዎ።

እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት፡ ፀረ-ኣሜሪካዊነት ዝብል ስነ-ሓሳብ እናፈጠሩ'ዮም፡ ልክዕ ኣብ ሃገራት ሶርያን ኢራንን ዘሎ ኣረኣእያ።

ዲፕሎማት ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝኸዱ ከይዶም፡ መንግስቲ ዝሕግዙ ርክባት ከማዕብሉ ትጽቢት ይግበረሎም።

ዲፕሎማሲ ፀገም ሰሜን ኮርያ ዝፈትሕ ብሕታዊ መገዲ'ዩ ኢላ ንትኣምን ጀርመን ዝኣምሰላ ሃገራት፡ ምስታ ሃገር ክፉት መስመር ርክብ ዲፕሎማሲ ክህሉ ምፍቃድ ኢለን ወሲደን እየን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ዉልቃዊ ኣገልግሎት'ዉን ክህባ ይኽእላ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን፡ ሰሜን ኮርያ ናብ ዘተ ክትቐርብ እንተኽኢላ ኣሜሪካ ንዘተ ቕርብቲ ምዃና ተዛሪቦም'ዮም። ሕዚ ምስዛ ሃገር ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዘይበተኻ ሃገራት ዉሑዳት'የን።

ካብ 43 ኣባል ሃገራት ትካል ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን፡ እተን 8 ጥራሕ እየን ምስዛ ሃገር ርክበን ክቕጽል ዝፈቐዳ፡ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ርክበን ነክየን።

ተወሳኺ ዛንታ