ኢኳቶርያል ጊኒ ብዕሱባት ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣፍሺለ ትብል

ፕሬዝደንት ቴዎዶር ኦቢያንግ ንጉዌማ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝደንት ቴዎዶር ኦቢያንግ ንጉዌማ

መንግስቲ ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ተኮስቲ ሮኬታት (ሮኬት ላውንቸራት)፣ ብረታትን ጠያይትን ዝሓዙ ካብ ግዳም እተዓስቡ ዕጡቓት ኣብታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ክገብሩ ከምዝፈተኑ ገሊጹ። ብውሑዱ፡ ሰላሳ ካብ ጫድ (ቻድ)፣ ካሜሩንን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝተዋጽኡ ዕጡቓት ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ሓደ ሚኒስተር ገሊጹ።

መንግስቲ ፕረሲደንት ቲዮዶር ኦብያን ንግዌማ ብዙሕ ጊዜ ብብልሽውናን ግህሰት መሰላትን ይኽሰስ'ዩ።

ወተሃደራት'ታ ሃገር ሓደ "ዕሱብ" ብረቡዕ ኣብ ጥቓ ዶብ ናይ ካሜሩን ከምዝቐተሉ ቲቪ ጂ ኢ (TVGE) ዝተባህለት መንግስታዊት ቴለቪዥን ኣቃሊሓ።

ኣኽበርቲ ጸጥታ "ኣብ ጫካታት ዝነበሩ ካልኦት ዕሱባት ንምብታን'ውን ተኲሶም" ኢላ'ታ ቴሌቪዥን።

ፕረሲደንት ኦብያን ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ሓወቡኡ ፍራንስዋ ማሺያስ ንግዌማ ስልጣን ምስ መንጠለ፡ ንኣርብዓ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ሎ።

ጸኒሑ፡ ፍራንስዋ ማሺያስ ንግዌማ ብቐታሊ ጉጅለ ወተሃደራት ተቐቲሉ።

ፕረሲደንት ኦብያንግ ኣብ 2016 ዝተገብረ ምርጫ፡ ንሓሙሻይ ጊዜ፡ ንሸውዓተ ዓመት ክመርሕ ተመሪጹ።

ድሕሪ በዓል ሙጋበ፡ ኣየኖት ኣፍሪቃውያን ንግስነታት ተሪፎም ኣለ?

እቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብመንገዲ ዕሱባት፡ ብተቓወምቲ ከምዝተኻየደን፡ ደገፍ ናይ ዘይተረቑሑ "ሓይልታት" ከምዝነበሮን ሚኒስተር ድሕነት ኖኮላስ ኦባማ ንቻማ ብመንገዲ መንግስታዊ ራዲዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተነ ብሓገዝ ኣባላት ጸጥታ ካሜሩን ከምዝፈሸለ ድማ ሓቢሩ።

ኢኳቶሪያን ጊኒ ቅድሚ ሕጂ'ውን ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢሙዋ ነይሩ'ዩ። ኣብ 2004, ወተሃደር ብሪጣንያ ነበር ሳይሞን ማን ንፕረሲደንት ኦብያን ንምዕላው ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ኢድ ነይርዎ ተባሂሉ ነይሩ።

እዚ ወተሃደር ብሪጣንያን ነጋዳይን ዝነበረ ሰብ ኣብ 2004 ኣብ ዚምባብዌ ድሕሪ ምትሓዙ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንኢኳቶርያል ጊኒ ተዋሂቡዋ።

ኣብ 2008 ድማ ን34 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ፡ እንተኾነ ግን ድሕሪ ሓደ ዓመት ብፕረሲደንት ኦቢያን ይቕረታ ተገይርሉ ብነጻ ተለቒቑ።

ዋላኳ ኢኳቶርያል ጊኒ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝኾና ሃገራት እንተኾነት፡ ህዝባ ግን ኣብ ድኽነት'ዩ ዝነብር።

ኣብ ጥቅምቲ 2017፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ናይ ፈረንሳ፡ ወዱ ንፕረሲደንት ኦብያን ንዝኾነ ተጠባባቒ ፕረሲደንት ተዮዶሪን ኦብያን ብብልሽውና ተኸሲሱ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ፡ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ በይንሉ ነይሩ።